ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ኢትዮጵያ፤ ብሕ/ሃ ዝምራሕ ኣብ ኲናት ትግራይ ዝካየድ መርመራ ደው ከብል ዳግማይ ጸዊዓ


ፋይል -ሓንቲ ካብ ኣባላት ኮሚሽን መርመራ
ፋይል -ሓንቲ ካብ ኣባላት ኮሚሽን መርመራ

ኢትዮጵያ ብሕቡራት ሃገራት ዝምራሕ ኣብ ኲናት ክልል ትግራይ ዝተፈጸመ ግፍዒ ንምጽራይ ዝግበር መርመራ ንክቋረጽ ዳግም ጸዊዓ።

ብመሰረት ሓበረታ ሓሙሽተ ዲፕሎማት ኢትዮጵያ እቲ ጉዳይ ኣብ ሕቡራት ሃገራት ድምጺ ክወሃበሉ`ያ ትጽውዕ ዘላ፡ እቲ ጉዳይ ኣብ መንጎ ሃገራት ኣፍሪቃን ምዕራባውያን ምክፍፋል ከምዘስዕብ`ዩ ይርኣይ።

ሽሕ`ኳ እቲ ኣብ ጀነቫ ዝመደበሩ ቤት ምኽሪ ሰብኣዊ መሰላት ስርሑ እንተቐጸለ፡ ኣዲስ ኣበባ ግን ናብቶም ኣባላት ምኽሪ እቲ መርመራ ክልል ትግራይ ሽዱሽተ ኣዋርሕ ኣቐዲሙ ንኽቋረጽ ዝጽውዕ ሓደ ንድፊ-ውሳነ ዘርጊሓ`ላ።

እቲ ኢትዮጵያ ተቕርቦ ዘላ እማመ፡ ዛጊት ዘሎ ውጽኢት መርመራ ከይወጽእን ኣብቲ ጉዳይ ዝግበር ክትዕ ክቋረጽን ዝጽውዕ`ዩ።

ኢትዮጵያ እቲ መርመራ ክልል ትግራይ ፖለቲካዊ ተበግሶ ዘለዎ`ዩ ብዝብል ካብ ብኣግኡ ክትቃወሞ ጸኒሓ`ያ።

47 ሃገራት ዝሓቁፍ ቤት ምኽሪ ሰብኣዊ መሰላት ሕቡራት ሃገራት፡ ካብ ሰኑይ ጀሚሩ ክሳብ 4 ሚያዝያ ዝቕጽል ኣኼባ ዝጀመረ ኮይኑ፡ ንኣዲስ ኣበባ ሓሳባ ንምቕያር`ውን ጻዕርታት ይካየድ ኣሎ`ዩ። ሓደ ምዕራባዊ ዲፕሎማት ኣብ ጀነቫ "ኣዲስ ኣበባ ትገብሮ ዘላ ወፍሪ ምቁራጽ መርመራ ኲናት ክልል ትግራይ፡ ሕማቕ ትምህርቲ ዘሕልፍ`ዩ" ኢሉ ።

ሰለስተ ክኢላታት ዝሓዘ መርማሪ ኮሚቴ ካብ መወዳእታ 2021 ኣትሒዙ ስርሑ ካብ ዝጅምር ንድሓር፡ እቶም ኣብቲ ኲናት ዝተሳተፉ ሓይልታት ገበናት ኲናትን ካልእ ግህሰትን ምፍጻሞም ከእምን ዝኽእል ምኽንያታዊ ባይታ ኣሎ`ዩ ኢሉ ኔሩ።

እንተኾነ ነቲ መርመራ ክወሃብ ዝጸንሐ ፖለቲካዊ ደገፍ ኣብዚ ቐረባ እናሃሰሰ መጽዩ`ሎ፡ ምኽንያቱ ድማ ሃገራት ኣፍሪቃ እቲ ዝሓለፈ ጥቅምቲ ዝተገበረ ምሕዳስ ስልጣን መርማሪ ጉጅለ ተቓዊመንኦ` ኔረን`የን፡ እንተኾነ ብጸቢብ ድምጺ ክናዋሕ ተገይሩ።

ሕጂ`ውን ዝውሃብ ድምጺ ኣብ መንጎ ምዕራባውያን ኣፍሪቃውያን ምክፍፋል ከምዘስዕብ ዲፕሎማት ይሕብሩ`ለዉ። ምዕራባውያን ድማ ኣንጻር ቻይና ኮነ ኣንጻር ሩስያ ደገፍ ኣፍሪቃውያን የድለየን ኣሎ። እቲ ኣብ ልዕሊ ጉዳይ ምንዋሕ መርማሪ ጉጅለ ኲናት ክልል ትግራይ ዝግበር ክትዕ ግን ከቢድ ከምዝኸውን ዲፕሎማት ይገልጹ`ለዉ።

ኣብቲ ቤት ምኽሪ ኣምባሳደር ኣመሪካ ሚሸል ተይለር፡ ኢትዮጵያ እቲ መርመራ ክቋረጽ ትደፍእ ከምዘላ ድሕሪ ምርግጋጽ፡ ምቁራጽ ዘመሓላልፎ መልእኽቲ ንቃወሞ ኢና፡ ነቲ ኢትዮጵያ ሒዛቶ ዘላ ገስጋሰ`ውን ዝሕግዛ ኣይኮነን ኢላ።

XS
SM
MD
LG