ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ኢትዮጵያ ፈላመይቲ ጓል ኣንስተይቲ ፕረዚደንት መዚዛ


ፓርላማ ኢትዮጵያ ንነዊሕ እዋን ዲፕሎማት’ታ ሃገር ኮይነን ኣብ ዝተፈላለየ ሃገራት ንዘገልገላ ወ/ሮ ሳህለ ርቅ ዘወደ ፕረዚደንት’ታ ሃገር ክኾና መዚዙ።

ፕረዚደንት’ታ ሃገር ነበር ኣቶ ሙላቱ ተሾመ ትማሊ ምክንያቱ ብዘይነጸረ ጉዳይ ካብ መዝነቶም መልቀቒ ደብዳበ ናብ ፓርላማ ምቅራቦምን ፓርላማ ድማ ንሕቶኦም ምቕባሉ ይፍለጥ።

ኣቐዲሙ ቀዳማይ ሚንስተር አብይ ኣሕመድ ኣብታ ሃገር ንመጀመርያ ጊዜ ጓል ኣንስተይቲ ሚንስተር ምክልካል ትርከቦም 50 ሚእታዊት ካቢነ’ታ ሃገር ብደቂ ኣንስትዮ ክምራሕ ምምዛዞም ይዝከር።

ፕረዚደንት ሳህለወርቅ ኣብ አዲስ አበባ ተወሊደን ዝዓበየ ኮይነን ድሒረን ንላዕለዋይ ትምህርቲ ናብ ፈረንሳ ዝኸዳን ኣብኡ ኣምባሳደር ኢትዮጵያ ኮይነን ዘገልገላ ካብኡ ብምቅጻል ኣብ ጅቡቲ፡ሴኔጋል ከምኡ’ውን ኢጋድ ኣምባሳደር ኮይነን ዘገልገላ እየን።

ፕረዚደንት ኢትዮጵያ ኮይነን ቅድሚ ምምዛዘን ድማ ላዕለዋይቲ ሓላፊት ሕቡራት ሃገራት ኣብ ሕብረት ኣፍሪቃ ኮይነን ክሰርሓ ምጽንሓን ይፍለጥ።

ብመሰረት ሕገ መንግስቲ’ታ ሃገር ፕረዚደንት ኮይኑ ዝተመዘዘ ክልተ ነናይ ሽዱሽተ ዓመት መሪሕነት ጊዜ ክመርሕ ይክኣል።

“ እዚ ኣብ ኢትዮጵያ ዝረአ ዘሎ ለውጢ ማዕረ ብደቂ ኣንስትዮን ደቂ ተባዕትዮን እንተተመሪሑ ናህሩ ንምምዝዛን ካብ ሃይማኖታዊ፡ዓሌታዊ ኮነ ጾታዊ አድልዎ ዘይብላ ነጻን ምዕብልቲ ኢትዮጵያ ንምህናጽ ዝሕግዝ’ዩ።” ዝበላ ፕረዚደንት ሳህለወርቅ “ፕረዚደንት ነበር ኣቶ ሙላቱ ናብ ለውጢን ተስፋን ዘሎ ጎደና ኣርእዮምና። ድሕሪን ቅድሚን ስልጣን ህይወት ከምዝቕጽል ኣርእዮም እዮም። ስለዚ ካልኦት’ውን ነዚ አብነት ክስዕቡን ንለውጢ ድልዋት ክኮኑ ይጽውዕ” ኢለን።

“መንግስቲ ኮነ ተቓወምቲ ውድባት ኣብ ሓደ ናይ ሓባር ገዛ ንነብር ከምዘለና ክርድኡ ኣለዎም። ንኮርዓሉ ሃገርን ወለዶን ንምፍጣር ድማ ኣብ ዘሕብሩና እንበር ኣብ ዝፈላልዩና ጉዳያት ከነተኹር ይግባእ።ቀዳሞት ግዳያት ስእነት ሰላም ደቂ ኣንስትዮ እየን ስለዚ ንተራ ደቂ ኣንስትዮ ኣብ ምውሓስ ሰላም ኣተኹረ ክሰርሕ ይደልይ።”

ኣብዚ ሕጂ እዋን ፕረዚደንት ሳህለወርቅ ዘውደ እታ እንኮ ናይ ኣፍሪቃ ጓል ኣልስተይቲ ፕረዚደንት እየን።

XS
SM
MD
LG