ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ኢትዮጵያ: ጸብጻብ ግጭት ምምሕዳር ዋግ ኽምራ ዞባ ኣበርገለ


'ሰራዊት ህወሓት ኣብ ምምሕዳር ዋግ ኽምራ ዞባ ኣበርገለ ድሕሪ ዝፈነዎ መጥቃዕቲ፣ ኣብ ልዕሊ ህይወትን ንብረትን ጉድኣት ኣውሪዱልና' ኢሎም ኣማሓዳሪ’ቲ ወረዳ።

ነቲ ግጭት ኣመልኪቱ ድምጺ ወያነ ኣብ ዝፈነዎ ዜና "ኣብ ኣበርገለ ዓሪዱ ንዝነበረ ፍሉይ ሓይሊ ኣምሓራን ንዕዑ ንከሕግዝ ንዝመጸ ልዕሊ ክልተ ሻለቃን ከምዝደምሰሰ" ኣፍሊጡ’ሎ።

ክልል ኣምሓራ ብወገኑ "ተረፍ መረፍ ህወሓት" ብፍሉይ ሓይሊ ኣምሓራን ሓይሊ ጸጥታ’ቲ ከባቢን ተሳዒሩ ንድሕሪት ናብ በረኻ ተመሊሱ ይብል።

ነቲ ግጭት ኣመልኪቱ "ሰራዊት ትግራይ" ኢሉ ንነብሱ ዝጽውዕ ዕጡቅ ሓይሊን ጉዳይ ኮምኒኬሽን ክልል ኣምሓራን ተራጸምቲ መግለጺታት ኣውጺኦም ኣለው።

ድምጺ ወያነ፣ ቅድሚ ሰለስተ መዓልታት ኣብ ዝፈነዎ ዜና 'ኣብ ክልል ኣምሓራ ወረዳ ኣበርገሌ ዓሪዱ ንዝነበረ ፍሉይ ሓይሊ ኣምሓራን፣ ነቲ ሓይሊ ንምሕጋዝ ንዝመጸን ልዕሊ ክልተ ሻለቃ ሰራዊትን፣

ሙሉእ ንሙሉእ ከምዝደምሰሰ' ንወሃቢ ቃል’ቲ ሰራዊት ትግራይ ኢሉ ንዝገልጽ ገብረ ገ/ጻድቅ ጠቂሱ ጸብጺቡ ኣሎ።

ብካልእ ወገን፣ ክልላዊ መንግስቲ ኣምሓራ ኣብ ወግዓዊ መርበቡ፣ እቶም ‘ተረፍ መረፍ’ ዝበሎም ዕጡቃት፣ ሓይሊ ጸጥታ ኣብ ዘይቆጻጸሮም ከባቢታት፣ ንጸልማት ተኸዊሉን ተመሳሲሉን፣

ኣብ ልዕሊ ዘይተዓጠቁ ዜጋታትን ንብረትን ጉድኣት ኣውሪዱ ኣሎ’ ከምዝበለ ተፈሊጡ ኣሎ።ፍሉይ ሓይሊ ክልል ኣምሓራን ናይ’ቲ ከባቢ ሓይሊ ጸጥታን ብዝወሰድዎ ግብረ መልሲ፣

እቲ ጉድኣት ዘውረዱ ኣካላት ተሳዒሮም ናብ በረኻ ከምዝተመለሱ’ ተጠቂሱ'ሎ።

ምሉእ ትሕዝቶ ኣብዚ ምስማዕ ይክኣል።

ኢትዮጵያ: ጸብጻብ ግጭት ምምሕዳር ዋግ ኽምራ ዞባ ኣበርገለ
please wait

No media source currently available

0:00 0:03:04 0:00


XS
SM
MD
LG