ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ናይ ኢትዮጵያ ጠቕላሊ ቤት ፍርዲ ኣብ መንጎ ዓቃቢ ሕጊን ኣቶ ኢሳያስ ዳኘውን ብዝጸንሐ ክርክር ዘንበሮ ናይ እገዳ ትእዛዙ ኣልዒልዎ


ነቲ ጉዳይ ክርኢ ዝፀንሐ ታሕተዋይ ቤት ፍርዲ ውሳነ ክህበሉ’ውን ናብኡ ልኢኹዎ’ሎ።

ናይ ኢትዮጵያ ጠቕላሊ ቤት ፍርዲ ኣብ መንጎ ዓቃቢ ሕጊን ኣቶ ኢሳያስ ዳኘውን ዝጸንሓ ክርክር ዘንበሮ ናይ እገዳ ትእዛዙ ኣልዒሉ።ነቲ ጉዳይ ክርኢ ዝፀንሐ ታሕተዋይ ቤት ፍርዲ ውሳነ ክህብ’ውን ልኢኹዎ’ሎ።

ላዕለዋይ ቤት ፍርዲ ፌደራል ሎሚ ሶሉስ ኣብ ዝወዓሎ መጋባእያ ኣብ መንጎ ዓቃቢ ሕግን ኣቶ ኢሳያስ ዳኛውን ዘሎ ክርክር ዝርኣዮ ኣብ ቤት ፅሕፈቱ እዩ። ጠበቓኦም ንኣቶ ኢሳያስ ቅድም ክብል ጠቕላሊ ቤት ፍርዲ ከምዘሰናበቶም ብምዝኽኻር ሎሚ ስለምንታይ ከምዝቐረቡ ከምዘይፈልጡ ገሊፆም።

ቤት ፍርዲ ጥርጡር ኣቶ ኢሳያስ ብዋሕስ ክፍትሑ ወሲኑ እንተነበረ እውን ዓቃቢ ሕጊ ነዚ ብምቅዋም ንጠቕላሊ ቤት ፍርዲ ይግባይ ኢሉ ንትእዛዝ ታሕተዋይ ቤት ፍርዲ ብምእጋድ ኽሲ ንምቕራብ 10 መዓልታት ኣፍቂዱ።ናይ ኣቶ ኢሳያስ ጠበቓ ዓሚሎም ናብዚ ቤት ፍርዲ ዝቐርቡሉ ምኽንያት የለን፣ዓቃቢ ሕጊ ኣብዝደለዮ ግዜን ቦታን ከከላብቶም ሕጊ ኣየፍቅደሉን ክብሉ ተኸራኺሮም።

ቤት ፍርዲ ብወገኑ ዓቃቢ ሕጊ ሓዱሽ ጥርዓን ነዚ ቤት ፍርዲ እዚ ምቕራቡ ብምግላፅ ጥርዓን ናይ ምቕባልን ምምርማርን ግቡኡን ስልጣኑን ምዃኑ ገሊፁሎም። እቲ ቤት ፍርዲ ንጥርዓን ዓቃቢ ሕጊን ናቶም ክርክርን ሰሚዑ ንምውሳን ክልቲኦም ንፅባሕ 29 ጥሪ 2011 ዓ.ም ክቐርቡ ትእዛዝ ሂቡ’ሎ።ኣቶ ኢሳያስ ዳኘው ኣብ ክልል ሶማሌ ብሜቴክ ምስ ዝተሰርሑ ናይ ኢትዮ-ቴሌኮም ትካላት ብዝተኣሳሰረ ብገበን ብልሽውና ተጠርጢሮም ኣብ ቤት ማእሰርቲ ከምዝርከቡ ይፍለጥ።

ብኻልእ ናይ ቤት ፍርዲ ዜና ቅድሚ ሓደ ሰሙን ኣብ ድሬዳዋ ኣብ ዝነበረ ሃይማኖታዊ በዓል ምስ ዝተፈጥረ ተቓውሞ ተሳቲፍኩም ብዝብል ዝተትሓዙ 27 ተጠርጠርቲ ዘቕረብዎ ሕቶ ይግባር ቤት ፍርዲ እቲ ምምሕዳር ውዱቕ ገይሩዎ።

ኣባ ከተማ ዕግርግር ክፍጠር ኣተሓባቢሮም፣መንገዲ ዓፂዮምን ካልኦት ጥፍኣታት ፈፂሞን ብዝብል 308 ተጠርጠርቲ ኣብ ትሕቲ ቀይዲ ውዒሎም ብሰለስተ መዛግብቲ ጉዳዮም ይርአ ምህላው ወኪል ድምጺ ኣሜሪካ ካብቲ ቦታ ሓቢሩ’ሎ ይብል።

XS
SM
MD
LG