ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ኢትዮጵያ: ገዛኢ ፓርቲ ብልጽግና ኣብ ጎደናታት ከተማ ሃዋሳ ጎስጓስ ምርጫ ጀሚሩ


ኣብ ኢትዮጵያ ገዛኢ ፓርቲ ብልጽግና ኣብ ጎደናታት ከተማ ሃዋሳ ጎስጓስ ምርጫ ጀሚሩ።

ኣብቲ ጎስጓስ መደረ ዘስምዐ ምኽትል ከንቲባ ሃዋሳ "ፓርቲ ብልጽግና ንኹሉ ዘማእከለ ሓሳብ ብምስጓም ንኢትዮጵያ ናብቲ ዝቕጽል ብልጽግና ንምስጋር ዝሰርሕ ፓርቲ`ዩ" ኢሉ።

ብዛዕባ`ቲ ጎስጓስ ብዝምልከት ድምጺ ኣሜሪካ ዘዘራረቦም ነበርቲ ሃዋሳ፡ ንሻዱሻይ ሃገራዊ ምርጫ ዝግበሩ ዘለዉ ጎስጓሳት፡ ፓርትታት ፕሮግራሞምን ፖሊሲታቶምን ንህዝቢ ዘረድኡ ዘይኮኑስ ኣብ ወቐሳን ነቔፈታን ዝተመርኮሱ`ዮም ኢሎም።

ምኽትል ከንቲባ ጸጋዬ ቱኬ ኣብቲ እዋን ጎስጓስ፡ ሃገር እትልወጥ ዜጋታት ሓላፍነቶም ክፍጽሙ ከለዉ`ዩ ብምባል፡ ህዝቢ ሓድነቱ ክሕሉን ኣብቲ ምርጫ ክሳተፍን ጸዊዑ።

ብመሰረት ሃገራዊ ቦርድ ምርጫ ኢትዮጵያ ዘውጽኦ ናይ ግዜ ሰሌዳ፡ ፓርትታት ናይ ምረጹና ጎስጓስ ክገብሩ ዝኽእል ብኣ. ግእዝ፡ ክሳብ 24 ግንቦት 2013 ጥራሕ`ዮም።

ብኻልእ ዜና ምርጫ፡ ኣብ ምምሕዳር ድሬዳዋ ሓባራዊ ቤት ምኽሪ ፓርትታት ፖለቲካ ቆይሙ። እቲ ቤት ምኽሪ፡ ካብ ጎስጓስ ምርጫ ክሳብ ድሕሪ ምርጫ እቲ መስርሕ ሰላማዊ ኮይኑ መታን ክዛዘም ተወዳደርቲ ብሓባር ኮይኖም ዝመኽርሉ`ዩ።

ቅድሚ ምቛም`ቲ ቤት ምኽሪ`ውን ቦርድ ምርጫ ጨንፈር ድሬዳዋ ምስ`ቶም ፓርቲታት ብምትሕብባር ክሰርሕ ከምዝጸንሐ ሓላፊ`ቲ ጨንፈር ኣቶ ዚያድ ያሲን ንድምጺ ኣሜሪካ ሓቢሩ`ሎ።

XS
SM
MD
LG