ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ኢትዮጵያ: ገዛኢ ፓርቲ ምርጫ ክሳብ ዝካየድ ኣብ መዝነት ክጸንሕ ብቤት ምኽሪ ዝሓለፈ ውሳነ ካብ ዝኾነ አካል ተጽዕኖ ዝነበሮ ከምዘይነበረ ተገሊጹ


ኣብ ኢትዮጵያ ሻድሻይ ሃገራዊ ምርጫ ክሳብ ዝካየድ ኣብ ስልጣን ዘሎ ምምሕዳር መዝነቱ ክቕፅል ብቤት ምኽሪ ፌደረሽን ክውሰን ከሎ ካብ ፈፃሚ ኣካል መንግስቲ ዝኾነ ይኹን ተፅዕኖ ኣይተገበረን ክብሉ ኣብ ቤት ምኽሪ ፌደረሽን ናይ ሕገ መንግስቲ ትርጉምን ናይ መንነት ጉዳያትን ቀዋሚ ኮሚቴ ፀሓፊ ኣቶ ወርቁ ኣዳሙ ንድምጺ ኣሜሪካ ገሊፆም።

እቲ ውሳነ ብናፃነትን ብተሳተፎን ምስ ተዘተየሉ ብብዝሒ ድምፂ ዝፀደቐ እዩ ኢሎም።

ነቲ ውሳነ ናይ ኦሮሞ ነፃነት ግንባርን ናይ ኦሮሞ ፌደራሊስት ኮንግረስን ብሓባር ከምኡ እውን ግንባር ሓርነት ኦጋዴን ንበይኑ ኣብ ዘውፅኡዎም መግለፂታት ናይቲ ገዛኢ ፓርቲ ድልየት ዘገልግልን ንሰብ ብፅሒት ዘግለለን እዩ ክብሉ ነፂጎምዎ እዮም። ኣቶ ወርቁ ግን ንብዙሓት ኣካላት ዘሳተፈን ሕገ መንግስቲ መሰረት ዝገብረን እዩ ክብሉ ዝቐረቡ መግለፂታት መሰረት የብሎምን ኢሎም።

ካብዚ ወፃኢ ኣብዝኾነ ይኹን ክፋል እታ ሃገር ዝካየድ ምርጫ ዘይሕጋውን ዘይሕገመንግስታውን እዩ ክብሉ ኣቶ ወርቁ ኣጠንቂቖም ኣለው ።

XS
SM
MD
LG