ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ኢትዮጵያ: ዳይሬክተር ውድብ ጥዕና ዓለም ካብ ናይ ስራሕ ስነ ምግባር ወጻኢ ይኸይድ ኣሎ ክትብል ከሲሳ


ኢትዮጵያ፡ ዳይሬክተር ውድብ ጥዕና ዓለም ዶ/ር ቴድሮስ ኣድሓኖም ካብ ናይ ስርሑ ስነ-ምግባር ወጻኢ ይኸይድ ኣሎ ዝብል ናይ ተቓውሞ ደብዳበ ናብ ፈጻሚ ቦርድ ውድብ ጥዕና ዓለም ከምዝለኣኸት ኣፍሊጣ።

ሚንስትሪ ጉዳያት ወጻኢ ኢትዮጵያ ኣብቲ ደብዳቢኡ፡ ዳይሬክተር ውድብ ጥዕና ዓለም ዝኽተሎ ዘሎ ሞራላዊ፡ ሕጋውን ሞያውን ናይ ስነ-ምግባር ጉድለት፡ ንኽብሪ`ቲ ትካል ኣብ ስግኣት ዘውድቕ`ዩ ይብል።

ዶ/ር ቴድሮስ ኣድሓኖም፡ ኣብ ዝገብሮ ናይ ሚድያ ስራሓት ንህወሓት ከምዘተባብዕን፡ እቲ ጉጅለ ወተሃደራዊ ዓወት ዝረኸበ ክመስል ከሎ ድማ ከምዝሕጎስ ከምኡ ኣብ ኢትዮጵያ ንዘሎ ሰብኣዊ ሻቕሎት መመሪጹ ከም ዝዛረብ ዝጠቐሰ ሚንስትሪ ጉዳያት ወጻኢ ኢትዮጵያ፡ ፈጻሚ ቦርድ ውድብ ጥዕና ዓለም በመሰረት መምርሕታቱ ንስነ-ምግባር ዶ/ር ቴድሮስ ኣድሓኖም ዝምርምር ኮሚሽን ከቕውም ጸዊዑ`ሎ።

ኣብ ቀረባ ኣብ ዝነበረ ጋዜጣዊ መግለጺ፡ ዶ/ር ቴድሮስ ንመንግስቲ ኢትዮጵያ መድሃኒት ናብ ትግራይ ንኸይኣቱ ብምኽልካል ከሲስዎ`ዩ።

ብመሰረት ጸብጻብ ኣጃንስ ፍራንስ ፕረስ ብዛዕባ`ቲ መንግስቲ ኢትዮጵያ ዝለኣኾ ደብዳበ፡ ካብ ውድብ ጥዕና ዓለም ዝተዋህበ መልሲ ዛጊት የለን።

XS
SM
MD
LG