ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ኢትዮጵያ: ዲሞክራሲያዊ ፓርቲ ቁጫ አባላቱ ይእሰሩ ምህላዎም ይከስስ


ሃዋሳ

ኣብ ኢትዮጵያ ክልል ደቡብ ዞባ ጋሞ ወረዳ ቁጫ ኣባላት ዲሞክራሲያዊ ፓርቲ ቁጫ ብፖለቲካዊ መሪገፂኦም ምኽኒያት ብሓይልታት ፀጥታ መንግስቲ በብመዓልቱ ይእሰሩ ኣለው ክብል እቲ ፓርቲ ከሲሱ።

እቲ ፓርቲ ወሲኹ ክሳብ ሎሚ ተኣሲሮምኒ ዝበሎም ልዕሊ 150 ኣባላት ምዃኖም እቲ ፓርቲ ገሊፁ።

ኣማሓዳሪ ዞባ ጋሞ ኣቶ ብርሃኑ ዘውደ ግን እቶም ውልቀሰባት ዝተኣሰሩ ገበን ፈፂሞም ብዝብል ተጠርቲሮም እዮም ክብሉ ነቲ ክሲ ነፂጎምዎ ኣለው።

ዜጋታት ምእሳሮምን መግሃስቲ ሰብኣዊ መሰላት ከምዝተፈፀሞምን ሓበሬታ በፂሑኒ ኣሎ ዝበለ ናይ ኢትዮጵያ ሰብኣዊ መሰላት ጉባኤ ዝምልከቶም ኣካላት ምፅራይ ብምግባር ቕልጡፍ ፍታሕ ክህብሉ ኣተሓሳሲቡ ኣሎ።

ርእይቶታት ንምርኣይ

XS
SM
MD
LG