ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ኢትዮጵያ: ደርቂ ጓሶት እንሰሳታቶም ዝምገብዎ ክበልዑ የገድዶም ምህላው ይገልጹ


ፋይል
ፋይል

ኣብ ዞባ ቀርኒ ኣፍሪቃ ዘጋጠመ ተራእዩ ዘይፈልጥ ደርቂ፣ ንዘራእቲን ሚልዮናት ጥሪትን ኣጥፊኡ፣ ናብርኦም ኣብ ሕርሻን እንስሳትን ዝተሞርከሰ ሚልዮናት ሰባት ድማ ጥምየት ኣጋጢምዎም'ሎ።

ወኪል ድምጺ ኣመሪካ ካብ ደቡብ ምብራቅ ኢትዮጵያ ባሌ "ብፍላይ ኣብ ክልል ኦሮምያ፣ ኢትዮጵያ፣ ገለ ጓሶት፣ ዘዋፍሩወን ጥሪት ይበልዐዖ ንዝነበረ ሰራውር ምምጋብ ጀሚሮም ኣለው" ይብል።

ኣብ ዞባ ምብራቅ ባሌ ኢትዮጵያ ዝርከብ ጎባና፣ ኣብ ከቢድ ቅልውላው ወዲቁ ኣሎ። ዓብዪ ዓዲ እቲ ከባቢ ኣቶ ዓብጉላሂ ዋቆ "ሎም ዘበን፣ ካብ መንግስቲ ድዩ ካብ ካልኦት ትካላት ዝረኸብናዮ ረድኤት የለን። ኣብ ከባቢና ኣብ ዝርከቡ ነበርቲ ኢና ተጸጊዕና ዘለና። እዚ ለቢስናዮ ዘለና ክዳን ከይተረፈ እኮ እዮምን ለጊሶምልና" ይብሉ።

ህዝቢ ጎባና፣ ቅድሚ ሽዱሽተ ዓመታት ብሰንኪ ግጭት ካብ ከባቢኦም ካብ ዝተመዛበሉ ጊዜ ንደሓር ኣብ ዘሎ እዋን በቲ መንግስቲ ዝህቦም ሓገዝ'ዮም ዝነብሩ: ካብ’ቲ እዋን’ቲ ጀሚሮም፣ ኣብ ውን ኣብ መዓስከራት'ዮም ዝነብሩ: እቲ ተራእዩ ዘይፈልጥ ሓደጋ ደርቂ፣ ንብዙሓት ሰባት፣ ዓቅሞም ስለዘዳኸሞ ካብ’ቲ መዓስከር ውጽእ ኢሎም ንክንቀሳቀሱ’ውን ኣየከኣሉን።

ኮምሽን ሃገራዊ ሓደጋንን ምሕደራን ኢትዮጵያ፣ ብዛዕባ’ዚ ኣብ ባሌ ኣጓኒፉ ዘሎ ሓደጋ ደርቂ፣ ግብረ መልሲ ክህበና ኣይካኣለን። ወኪል ድምጺ ኣመሪካ ነበርቲ ጎበና ግና እቲ ተሪፍዎም ዘሎ እንኮ ኣማራጺ፣ ረድኤት ብህጹጽ ክመጸልና እዩ ዝብል ተስፋ ጥራሕ ኮይኑ ኣሎ ይብል።

XS
SM
MD
LG