ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ኢትዮጵያ: ዞባ ሲዳማ ብዘጋጠመ ምንሽርታት መሬት 23 ሰባት ሞይቶም


ኣብ ኢትዮጵያ ክልል ደቡብ ዞባ ሲዳማ ወረዳ ጭሬ ጣቢያ ሃሊሎ ኣብ ዝርከቡ ሰለስተ ናይ ገጠር ዓድታት ብሰንኪ ዝናብ ብዝወረደ ምንሽሕታት መሬት 23 ሰባት ከምዝሞቱ ስድራ ግዳያት ንሬድዮ ድምፂ ኣሜሪካ ገሊፆም።

ኣብቲ ከባቢ ብሰንኪ ዝወቕዐ ዝናብ ዝወረደ ምንሽሕታት መሬት ኣብ ክልተ መንበሪ ገዛ ዝነበሩ ኣብ ሓደ ገዛ 14 ኣብቲ ካልእ መንበሪ ገዛ ድማ ሸሞንተ ብድምር 23 ሰባት ህይወቶም ጠፊኡ’ሎ።

ብቕድሚ ትማሊ ቀዳም ምሸት ከቢድ ዝናብ ከምዝነበር ዝገለፁ ነበርቲ እቲ ከባቢ እቲ መሬት ተደርሚሱ እቶም ኣባይቲ ምስ ነበርቲ ናብ ፀድፊ ከምዝኣተው ገሊፆም።

14 ኣባላት ስድራ ጠፊኡዎም ናይ ዝተብሃሉ ኣቶ ማትዮስ ማርቆስ ስድራ እየ ዝበሉ ሓደ ነባሪ እቲ ከባቢ ከምዚ ይብሉ።

“ክልተ ስድራ እዮም ነይሮም።ሓደ ስድራ 8 እቲ ካልእ ድማ 14 ስድራ ዝሓዙ እዮም።ወለዲ ምስ ቆልዑቶም እዮም ሞይቶም።”

ካብቶም 14 ሰባት ዝሞቱዎ ስድራ ሓንቲ ዝቖሰለት ከምዝተረፈትን ካብቲ ሸሞንተ ኣባላት ዝሓዘ ድማ ሰለስተ ኣባላት ስድራ ህይወቶም ከምዝተረፈን ገሊፆም።

ስነስርዓት ቀብሪ ትማሊ ሰንበት ከምዝተፈፀመ እውን ወሲኾም ሓቢሮም።

ናይቲ ክልል ቢሮ ኮሚኒኬሽን ኣብ መርበብ ሓበሬታ ኣብ ዝወፅኦ ሓበሬታ በቲ ሓደጋ ምንሽሕታት መሬታ 23 ሰባት ከምዝተቐተሉን ካብኦም 16 ደቂ ኣንስትዮ ምዃነን ሓቢሩ።

XS
SM
MD
LG