ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ኢትዮጵያ፡ ዞባታት ደቡብ ክልል ዘልዕልዎ ሕቶታት ምምስራት ክልል ንትግባረ ኣጸጋሚ’ዩ ክብል ገዛኢ ፓርቲ’ቲ ክልል ነጺግዎ


ሃዋሳ
ሃዋሳ

ኣብ ኢትዮጵያ ደቡብ ክልል ዝርከቡ ዞባታት ክልል ናይ ምዃን ድልየቶም ይውስኽ ምህላዎምን ሕቶታቶም ንቤት ምኽሪ ክልል ምቕራቦም ሕገ መንግስታዊ መሰሎም እንተኾነ እውን ኣብ 10ይ ውድባዊ ጉባኤ ገዛኢ ፓርቲ ካብ ዝተቐመጠ ኣንፈት ወፃኢ እዩ ክብል ዴሞክራሲያዊ ምንቅስቓስ ህዝብታት ደቡብ ኣፍሊጡ።

መምህር ሕጊ ኣብ ዩኒቨርስቲ ሃዋሳን በዓል ሞያ ሕጊ ዝኾኑ ፕሮፌሰር ተሰማ ኤሊያስ ግን እቶም ሕቶታት ሕገ መንግስታዊ መሰላት ስለዝኾኑ ብውድባዊ መርገፂ ዘይኮነስ ብሕገ መንግስቲ ክውሰኑ ኣለዎም ይብሉ።

ሕገ መንግስቲ ኢትዮጵያ ብክልል ይኹን ብዞባ ናይ ምውዳብ መሰል ከምዘለዎም ይገልፅ።ዝኾነ ይኹን ብሄርን ብሄረሰብን ሕቶ ክልል ኣወንታ ዝርከብ ናይቲ ሓታቲ ህዝቢ ብክልተ ሲሶ ተደጊፉ ናብ ቤት ምኽሪ ክልል ቐሪቡ ኣብ ውሽጢ ሓደ ዓመት ብህዝበ ውሳነ ክረጋገፅ እዩ ይብል።

ነቲ ክልል የመሓድር ናይ ዘሎ ገዛኢ ፓርቲ ሓላፊ ቤት ፅሕፈት ማእኸላይ ኮሚቴ ኣቶ ሞገስ ባልቻ ግን ዝቐርቡ ዘለው ሕቶታት ኣጸገምቲ እዮም ይብሉ።

“ኣብቲ ክልል 56 ብሄርን ብሄረሰባት ኣለው።እዞም ብሄር ብሄረሰባት ኩሉም ሕገ መንግስቲ ብዝሃቦም መሰል ኣብያተ ምኽርታቶም ክልል ክንኸውን ኢና እናበሉ እንተድኣ ወሲኖም ንኣፈፃፅማ ኣፀጋሚ እዩ።ነታ ሃገር እውን ተፅዕኖ ኣለዎ።ከም ሃገር ሓድነት ክንፈጥር ኢና ዝብል እውን ኣወዳድብኡ ምኽንያታዊ ኣይገብሮን እዩ።”

ንሶም ብተወሳኺ እቶም ሕቶታት ሕገ መንግስታዊ እንተኾኑ እውን ኣብ መበል 10ይ ጉባኤ እቲ ገዛኢ ፓርቲ ካብ ዝተወሰነ ወፃኢ እዮም ኢሎም።

ይኹን ደአ እምበር እቶም ሕቶታት ግን ኣብቲ ክልል ናይ ዝልዓሉ ግጭታትን ሕልፈት ህይወት ሰብን ዕንወት ንብረትን ምዝንባል ህዝብን ምኽንያት ኣብ ምዃን ይርከቡ።

ሰብ ሞያ ሕጊ እቶም ሕቶታት መልሲ ክረኽቡ ዘለዎም ብሕገ መንግስቲ ክኸውን ኣለዎ ይብሉ።

ኣብ ዩኒቨርስቲ ሃዋሳ ሓላፊ ክፍሊ ዓውዲ ሕጊን መምህር ሕግን ሓጋዚ ፕሮፌሰር ተሰማ ኤሊያስ ሕገ መንግስቲ እቲ ብሄር ባዕሉ እዩ ዝውስን ክብል ከሎ ካልእ ጣልቃ ዝኣትው ፖለቲካ ይኹን መንግስቲ የለን ማለት እዩ ይብሉ።

መንግስቲ ህፁፅ መልስን ፍታሕን ክህብ እውን እቶም ምሁር ሕጊ ተዛሪቦም ኣለው።

ምሉእ ትሕዝቶ ኣብዚ ምስማዕ ይክኣል።

XS
SM
MD
LG