ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ኢትዮጵያ: ዝርግሓ ቫይረስኮሮና ንምክልካል ዝወጸ መምርሒ ብኣስገዳድ ተግባራዊ ከምዝኸውን ተገሊጹ


ጠቕላሊ ዓቃቢ ሕጊ ኢትዮጵያ ለበዳ ኮቪድ19 ንምክልኻል 25 መስከረም 2013 ዓ\ም ዝወፀ መምርሒ ካብ 20 መጋቢት 2013 ዓ\ም ጀሚሩ ብኣስገዳድ ኣብ ግብሪ ክውዕል እዩ ክብል ኣተሓሳሲቡ።

ዳይሬክተር ኮሚኒኬሽን ጠቕላሊ ዓቃቢ ሕጊ ኣቶ ኣወል ሱልጣን እቲ መምርሒ ሓዱሽ ኣይኮነን:እቲ ሕብረተሰብ ብሸለልትነት ነቲ ቫይረስ ይቓላዕ ብምህላው ሕጂ ግን ብአስገዳድ ኣብ ግብሪ ክውዕል እዩ ኢሎም።

እቲ መምርሒ ናይ ኣፍን ኣፍንጫን መሸፍኒ ማስክ ምግባር፣ምርሕሓቕ፣ምጥቃም ሳኒታይዘርን ካልኦት ዝሓወሰ ኮይኑ መርዓ፣ሓዘንን ተመሳሰልትን ፕሮግራማት ትሕቲ ሓምሳ ሰባት ክኸውን እቲ ዓቃቢ ሕጊ ገሊፁ ኣሎ ።

XS
SM
MD
LG