ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

'ዝመጽእ ሃገራዊን ክልላዊን ምርጫ ኢትዮጵያ ዝተፈልየን መጻኢ ዕድል'ታ ሃገር ዝውስንን'ዩ ' አማኻሪ ፖለቲካዊ ጉዳያት ቀ/ሚ


ሃዋሳ
ሃዋሳ

አማኻሪ ፖለቲካዊ ጉዳያት ቀ/ሚ አብይ አሕመድ ዶ/ር ፍስሃ ይታገሱ ኢትዮጵያ ኣብ’ዚ ቀረባ ተካይዶ ምርጫ፣ ብመንጽር ዓለምለኸ ኣሰላልፋን ጽልውኡን ከምኡ'ውን ኣብ ውሽጢ ሃገር ኣሎ ካብ ዝበልዎ ‘ጽንፈኛነት’፣ ካብ ስሩዕ ምርጫ ዝተፈለየን ንናይ’ታ ሃገር መጻኢ ዕድል ዝውስንን እዩ ኢሎም ።

ዶ/ር ፍስሃ ነዚ ርእይቶ’ዚ ዝሃቡ፣ ኣብ’ቲ ሎሚ ሰሉስ ኣብ ዩኒቨርስቲ ሃዋሳ ዝተካየደ ምይይጥ እዩ።

ናይ ወጻኢ ሓይልታት ኣብ ልዕሊ ኢትዮጵያ ተጽዕኖ ይፈጥሩ ዘለው፣ መእንታን ኢትዮጵያ ብርቱዕ መንግስቲ ከይህልዋ እዩ’ውን ኢሎም።

አብ’ቲ መድረኽ ርእይቶ ዝሃቡ ምክትል ሚኒስትር ሳይንስን ላዕለዋይ ደረጃ ትምህርትን ዶ/ር ሳሙኤል ክፍሌ ብወገኖም "ምርጫንምክያድ ዘኽእሉ ኩነታት ኣለው፣ ግን ስግኣታት’ውን ኣለው" ኢሎም።

XS
SM
MD
LG