ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ኢትዮጵያ:ዕድል ኣብ መዝነት ዘሎ መንግስቲ ዝውስን ሕገ-መንግስታዊ ትርጉም ጀሚራ


​ኢትዮጵያ ሕጂ ኣብ መዝነት ዘሎ መንግስቲ ድሕሪ ወርሒ መስከረም ዝህልዎ ዕድል ዝውስን ሕገ-መንግስታዊ ትርጉም ጀሚራ`ላ።

ሃገራዊ ቦርድ ምርጫ ኣብ እዋን ለበዳ ሕማም ቫይረስ ኮሮና፥ ምርጫ ከካይድ ከምዘይክእል ብምፍላጥ ነቲ ጉዳይ ናብ ባይቶ ወከልቲ ድሕሪ ምቕራቡ ንሱ ድማ ናብ ቤት-ምኽሪ ፈደረሽን ድሕሪ ምቕራቡ`ዩ ሕጂ ብሕገመንግስታዊ መርማሪ ኣካል ክርኣይ ጀሚሩ`ሎ።

ኣብ ውሽጥን ወጻእን ዝርከቡ ኢትዮጵያውያን ሰብ-ሞያ ክጠቕሙ ዝኽእሉ ርእይቶታት ከቕርቡን ህዝቢ`ውን ክፉት ብዝኾነ መስርሕ ክከታተል ጻውዒት ቀሪብሉ`ሎ።

እቲ ኣብ ነብስወከፍ ሓሙሽተ ዓመት ዝካየድ ምርጫ ኣብዚ ዓመት`ዚ ክካየድ ዝነበሮ እንተኮነ ብሰንኪ ለበዳ ሕማም ኮሮናቫይረስ ከካይዶ ከምዘይክእል ቦርድ ምርጫ ይገልጽ።

XS
SM
MD
LG