ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ኢትዮጵያ: ዓውዲ ባንኪ ንሰብ ሃብቲ ዜጋታት ወጻኢ ሃገር ከምዝኽፈት ተገሊጹ


መንግስቲ ኢትዮጵያ ዓውዲ ባንኪ እታ ሃገር ንሰብ ሃብቲ ዜጋታት ወጻኢ ሃገር ከምዝኽፈት ኣፍሊጡ።

ቤት ምኽሪ ሚንስትራት ኢትዮጵያ ብቕድሚ ትማሊ ቐዳም ኣብዘሳለጦ ስሩዕ ኣኼባ፣ዓውዲ ባንኪ እታ ሃገር ንሰብ ሃብቲ ዜጋታት ወጻኢ ሃገር ንምኽፋት ወሲኑ። ቤት ፅሕፈት ቀዳማይ ሚኒስትር ኢትዮጵያ ንዓውዲ ባንኪ ንሰብ ሃብቲ ዜጋታት ወጻኢ ሃገር ክፉት ምግባር፣ ንኣገልግሎት እቲ ዓውዲ ብፍልጠትን ብቴክኖሎጂን ንምድጋፍ የኽእል፣ ናይታ ሃገር ቁጠባ ምስ ዓለምለኻዊ ዕዳጋ ንዘለዎ ምትእስሳር የዕቢ፣ ተወዳዳሪነት፣ ውፅኢታውነትን ቅልጣፈን ክውስኽ ይገብር፣ እኹል ቀረብ ፋይናንስ ንክህልውን ቀረብ ሸርፊ ወፃኢ ክሳለጥን ይሕግዝ ክብል ገሊጹ።

እቲ ስጉምቲ ምፍጣር ዕድል ስራሕ ንክምዕብልን፣ ዓለምለኻዊ ተወዳዳርነት ቁጠባ ንኽረጋገፅን ከምዝሕግዝ እውን ገሊፁ ኣሎ።ነዞም መበገስታት መሰረት ብምግባር እቲ ረቂቕ ፖሊሲ ከምዝተዳለወን፣ ቤት ምኽሪ ሚኒስትራት ድማ እቲ ፖሊሲ ኣብ ስራሕ ክውዕል ከምዝወሰነን ተፈሊጡ ኣሎ።

ፋይናንስ ኢትዮጵያ ንሰብ ሃብቲ ዜጋታት ወጻኢ ሃገር ንምኽፋት ምምሕያሽ ኣዋጅ ከምዝግበር ቅድሚ ሕጂ መራሒ ሃገራዊ ባንኪ እታ ሃገር ዶ/ር ይናገር ደሴ ከምዝገለፁ ምፅብፃብና ይዝከር። ኣብቲ እዋን ድምፂ ኣመሪካ ዘዘራረቦም በዓል ሞያ ቁጠባ ጌታቸው ተክለማርያም፣ ፋይናንስ ንሰብ ሃብቲ ዜጋታት ወጻኢ ሃገር ክፉት ምግባር ናይ ባዕሉ ዝኾነ ረብሓን ጉድኣትን ስለዘስዕብ ዓብይ ጥንቃቐ ዝሓትት ስጉምቲ እዩ ኢሎም ነይሮም።

XS
SM
MD
LG