ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ኢትዮጵያ፥ ዓለምለኸ ኮሚሽን ሰብ ሞያ ሰ/መሰላት ስርሑ ክቋረፅ ዝሓትት ናይ ውሳነ ሓሳብ ከምዘዳለወት ኣፍሊጣ


ምኽትል ቀዳማይ ሚንስትርን ሚንስትር ጉዳያት ወጻኢን ኢትዮጵያ ኣቶ ደመቀ መኮነን- ፋይል
ምኽትል ቀዳማይ ሚንስትርን ሚንስትር ጉዳያት ወጻኢን ኢትዮጵያ ኣቶ ደመቀ መኮነን- ፋይል

ኢትዮጵያ ኣብ ኲናት ሰሜን ኢትዮጵያ ዝተፈፀመ መግሃስታት ሰብኣዊ መሰላት ክምርምር ዝተጣየሰ ዓለምለኸ ኮሚሽን ሰብ-ሞያ ስርሑ ክቋረፅ ዝሓትት ናይ ውሳነ ሓሳብ ከምዘዳለወት ኣፍሊጣ።

ነቲ ውሳነ ሓሳብ ምድላው ዝገለጹ ምኽትል ቀዳማይ ሚንስትርን ሚንስትር ጉዳያት ወጻኢን ኢትዮጵያ ኣቶ ደመቀ መኮነን ሎሚ ኣብ ዝተጀመረ ኣኼባ ሚንስትራት ጉዳያት ወፃኢ ሕብረት ኣፍሪቃ እዩ።

እቲ ውሳነ ሓሳብ ኣብ ቀረባ ኣብ ዝካየድ ናይ ሕቡራት ሃገራት ኣኼባ ቤት ምኽሪ ሰብኣዊ መሰላት ከምዝቐርብ ኣቶ ደመቀ ገሊፆም።

ኣብ ሰሜን ኢትዮጵያ ኣብ ዝተኻየደ ኵናት ኣብቲ ውግእ ብዝተሳተፉ ኩሎም ወገናት ከበድቲ መግሃስታት ሰብኣዊ መሰላት ከምዝተፈፀመ ቤት ምኽሪ ሰብኣዊ መሰላት ሕቡራት ሃገራት ቅድሚ ሎሚ ምግላፁ ይዝከር።

XS
SM
MD
LG