ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ኢትዮጵያ፡ ወለድን ተማሃሮን ንትምህርቲ ላዕለዋይ ደረጃ ዝተዋህበ መእተዊ ፈተና  ቕሬታ የቕርቡ


ኣብ ኢትዮጵያ ብቕድሚ ትማሊ ወግዓዊ ዝኾነ ውፅኢት ናብ ላዕለዋይ ትምህርቲ ዘእትው ፈተና ብተማሃሮን ወለድን ሰፊሕ ቅሬታ ቐሪቡ’ሎ።ናይ ክልላት ትግራይን ኦሮሚያን ቤት ጽሕፈት ትምህርቲ ኣብ ሓደ ሓደ ኣብያተ ትምህርቲ እታ ሃገር ኣብ ከይዲ ፈተና ዝነበረ ፀገም ከይተመሓየሸ ውፅኢት ወግዓዊ ምዃኑ ግቡእ ኣይኮነን ኢሎም ኣለው።ዋና ዳይሬክተር ኤጄንሲ ሃገራዊ ፈተናን ምዘናን ትምህርቲ ኣቶ ኣርኣያ ገብረእግዛብሄር ስኮላሲቲክ ኣፕቲቱዩድ ናይ ዝተባህለ ዓይነት ፈተና ናይ ምእራም ፀገም ምንባሩ ተረጋጊፁ’ሎ ኢሎም።ንሶም ብተወሳኺ ካብ ኣብያተ ጽሕፈት ትምህርቲ ክልላት ኦሮሚያን ትግራይን ግን ዝበፅሐና ቅሬታ የለን ኢሎም። እቲ ኤጀንሲ ኣብ ክልላት ኣምሓራ፣ኦሮሚያ፣ደቡብን ቤንሻንጉል ግሙዝን ናይ 848 ተማሃሮ ውፅኢት ብምሓዝ ኣብ ምጽራይ ከምዘለዎ’ውን ገሊፆም ኣለው።ኣብ ስኮላስቲክ ኣፕትቲዩድ ዝተፈጥረ ናይ ምእራም ሽግር ብምፍታሕ ዝተዓረየ ውፅኢት ኣብ መወዳእታ እዚ ሰሙን ወግዓዊ ከምዝኸውን እቶም ዋና ዳይሬክተር ኣፍሊጦም።

ዝሰራሕናዮን ዝመፅአ ውፅኢትን ዘይራኸብ እዩ ዝበሉ ብኣሽሓት ዝቑፀሩ ተማሃሮ ዝተፈላለዩ ክልላት ሎሚ እውን ኣዲስ ኣበባ ኣብ ዝርከብ ዋና ቤት ፅሕፈት ኤጄንሲ ሃገራዊ ምዘናን ፈተናን ትምህርቲ ናይ ጥርዓን ቅጥዒ ክመልኡ ውዒሎም ኣለው።

ኣብ ከተማ ሃዋሳ ኣብ ዝርከብ ናይ ፍረሞዴል ኣካዳሚ ተማሃሪት ምዃና ዝገለፀት መክሊት ታደለ እቲ ውፅኢት ንዓይ ኣይገልፀንን ትብል።

“ናተይ ናይ ስኮላስቲክ ኣፕቲዩድ ውፅኢት 32 እዩ ዝብል።ክዕረ ኣለዎ።ብመምህር ኣአሪመዮ ነይረ፤ካብ ክልተ ጌጋ ንላዕሊ ኣይነበረንን።”

ካልኦት ተማሃሮ እውን ብተመሳሳሊ ኣፕቲዩድ ጥራሕ ዘይኮነስ ብኻልኦት ፈተናታት እውን እቲ ውፅኢት ንዕኣታቶም ከምዘይገልፆም ሓቢሮም።

ቢሮ ትምህርቲ ክልላዊ መንግስቲ ኦሮሚያ ኣብ መስርሕ ናይ 12 ክፍሊ ፈተና ፀገም ስለዘለዎ መአረምታ ክግበረሉ ሓቲቱ’ሎ።ሓላፊ ቢሮ ትምህርቲ ክልል ኦሮሚያ ዶ/ር ቶላ በሪሶ እቲ መጠን እንተተፈለየ እውን ኣብ ክልል ኦሮሚያ ሓዊሱ ኣብ ኣርባዕተ ክልላት 45 ኣብያተ ትምህርቲ ልዕሊ 5,000 ተማሃሮ ፈተና ብዘይግብኡ ዝተሰርሐ እዩ ኢሎም ። እቲ ጥርዓን ንኤጀንሲ ሃገራዊ ፈተና እንተፍለጡ እውን ናይ መአረሚ ስጉምቲ ኣይተወሰደን እውን ኢሎም።

ንሶም ብተወሳኺ ፈተነ ካብ ዝወሰዱ ተማሃሮ ናይቶም 5,000 ተማሃሮ ውፅኢት ፀገም ከምዘለዎን ኣብ ዝተወሰነ ብሓደ፣ብኽልተ ወይ ብሰለስተ ዓይነታት ትምህርቲ ዝለዓለ ውፅኢት ዘምፅኡ ምህላዎን ተዓዚብና ኣለና ኢሎም።

“ስለዚ ናይዞም 5,000 ተማሃሮ ውፅኢት ንጠቕላላ ውፅኢት ተማሃሮ ዘዛብዕ ስለዝኾነ እቲ ኤጀንሲ ነዚ ብዕቱብ ክከታተሎ ብኣካል፣ብምይይጥን ብደብዳበን ኣፍሊጥና ኢና።”

ብተመሳሳሊ ዜና ኣብ ከተማ ድሬዳዋ ኣብ ናይ ውልቅን መንግስታውን ኣብያተ ትምህርቲ ዝተፈተኑ ብርክት ዝበሉ ናይ 12 ተማሃሮ ውፅኢቶም ትክክል ከምዘይኾነ ጥርዓን ንምቕራብ ትማልን ሎሚን ናብ ቤት ጽሕፈት ትምህርቲ ምኻዶም ተገሊጹ’ሎ።

ነቲ ጉዳይ ዝሓዙዎ ኣብ ቤት ጽሕፈት ትምህርቲ ድሬዳዋ በዓል ሞያ ትምህርቲ እቶም ተማሃሮ ብኣካል ናብ ኣዲስ ኣበባ ብምኻድ ወይም ብኢንተርኔት ከቕርቡ ምዒዶም ኣለው።

ና ዳይረክተር ኤጄንሲ ሃገራዊ ምዘናን ፍተናን ትምህርቲ ኣቶ ኣርኣያ ገብረእግዛብሄር ስኮላሲቲክ ኣፕቲቱዩድ ናይ ዝተባህለ ዓይነት ፈተና ናይ ምእራም ፀገም ምንባሩ ብምርግጋፅ እቲ ዝተፈጥረ ፀገም እውን ነቲ ፈተና ዝእርም ማሽን ዝተወሃበ ናይ ኮድ ቦታ ብምቅይያሩ እዩ ኢሎም።

ካብ ቤት ጽሕፈታት ትምህርቲ ክልላት ትግራይን ኦሮሚያ ብዛዕባ ኣብ ዝተወሰኑ ክልላት ዝነበረ ኣወሃህባ ፈተና ጌጋ ከምዝነበረ ብምሕባር ክእረም ምሕታቶም ብዝምልከት ዝተሓተቱ ኣቶ ኣርአያ ገብረእግዛብሄር ኣቐዲምና ዝገለፅናዮ ባዕልትና እቲ ውፅኢት ክፀንሕ ዝተገብረሉ እውን እዚ እዩ ኢሎም።

“እቲ ውፅኢት ቅድሚ ምግላፁ ካብ ክልላት ኣምሓራ፤ኦሮሚያ፣ቤንሻንጉል ግሙዝን ደቡብን ናይ 848 ተማሃሮ ውፅኢት ከምዝሓዝና ብወግዒ ኣፍሊጥና ኢና።ሕጂ ከም ሓዱሽ ነገር ይዝረበሉ ኣሎ።ካብ ትግራይ ይኹን ካብ ኦሮሚያ እውን ዝበፅሐና ጥርዓን የለን።ሕጂ ኢና ንሰምዕ ዘለና።”

ንሶም ወሲኾም እቲ ዝተዓረየ ውፅኢት ኣብ ዝቕፅሉ ክልተ መዓልታት ክወፅእ እዩ ኢሎም ኣለው።ዝኾነ ይኹን ሕቶ ከምዝቕበሉ ዝገለፁ ኣቶ ኣርኣያ ክሳብ ሕጂ ሽዱሽተ ሽሕ ተማሃሮ ብኣካል መፂኦም ኣመልኪቶም ኣለው ኢሎም።ሰለስተ ሽሕ ሰባት ድማ ኣብዘለውዎ ኮይኖም ብኦንላይን ኣመልኪቶም ኣለው ኣብዘለውዎ ኮይኖም ከመልክቱ ይኽእሉ እዮም ኢሎም።

ምሉእ ትሕዝቶ ኣብዚ ምስማዕ ይክኣል።

XS
SM
MD
LG