ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ኢትዮጵያ: ኲናት ይቕጽል ንምዕራፉ በበይኑ ጻውዒታት ይቐርብ


ኣብ ክልል ትግራይ ዝካየድ ዘሎ ኲናት ሎሚ’ውን ቀጺሉ ምውዓሉ ምንጭታት ይሕብሩ። ኣገልግሎት ዜና ፈረንሳ ንሰራሕተኛ ረዲኤት ብምጥቃስ ከም ዘስፈሮ፡ ሎሚ ዓርቢ ኲናት ኣብ ከባቢ ኣኽሱም ክካይድ ውዒሉ ኣሎ። ምስ ስእነት መራኸቢታት ግን ኣብ ባይታ ዘሎ ከይዲ ብልክዕ ንምፍላጥ ኣጸጋሚ ኰይኑ ኣሎ። ብዛዕባ’ዚ ሕጂ ዘሎ ኲናት’ውን ኵላቶም ወገናት ሓበሬታ ካብ ምሃብ ተቖጢቦም’ዮም ጸኒሖም።

ዝርዝር ደኣ ኣይግለጽ እምበር፡ ቀዳማይ ሚኒስተር ኣቢይ ኣሕመድ ሎሚ ዓርቢ ኣብ እዋን መመረቕታ ኣብ ዝሃቦ ቃል፡ ኣብ ኢትዮጵያ ሰላም ክወርድን ንምዕባለ ብሓባር ክሰርሕን ዘለዎ ተስፋ ልዑል ምግላጹ ኣገልግሎት ዜና ፈረንሳ ኣብ ጸብጻቡ ኣስፊሩ።

ሕብረት ኣፍሪቃ ነቲ ብሰንኪ ጸገማት መሳለጥያ ዝበሎ ኣቐዲሙ ዝተኣጓጐለ፡ ኣብ ደቡብ ኣፍሪቃ ከካይዶ ዝነበረ ዘተ ሰላም ደጊሙ ንዕለት 24 ናይዚ ወርሒ’ዚ ምምዳቡ ይዝከር። ብዛዕባ’ቲ ንኻልኣይ ግዜ ዝተመደበ ዘተ-ሰላም ዝቐጸለ ዝርዝር ሓበሬታን በቲ ተመዲቡዎ ዘሎ ክካየድ ምዃኑን ዘይምዃኑን ግን ዛጊት ወግዓዊ ሓበሬታ የሎን።

እዚ ከምዚ ኢሉ እንከሎ፡ ሚኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ኣመሪካ ኣንቶኒ ብሊንከን ህጹጽ ምቍራጽ ተጻብኦ ተገይሩ ናብ ዘተ ሰላም ክእቶን ሰራዊት ኤርትራ ስሒቦም ካብ ጎንጺ ክእለዩን ኣተሓሳሲቡ። ወሃብ ቃል እቲ ቤት ጽሕፈት ነድ ፕራይስ ኣብ ዝሓበሮ፡ ፍሉይ ልኡኽ ኣመሪካ ኣብ ጉዳያት ቀርኒ ኣፍሪቃ ማይክ ሃመር ኣብ ኢትዮጵያ ንምዝርራብ ምስ ዝተፈላለዩ ኣካላት ከም ዘሎ ብምምልካት፡ ቤት ጽሕፈቶም ብቕልጡፍ ናብ ዘተ ሰላም ክእቶን ሰብኣዊ ተበጻሕነት ክጅምርን ከም ዝሓተቱ ኣመልኪቱ።


ብኻልእ ዜና፡ ብጠለብ ተዛዋወርቲ ኣባላት ዝዀና ጋቦን፡ ጋናን ኬንያን ዝተጸውዐ፡ ባይቶ ጸጥታ ሕቡራት ሃገራት ኣብ ጉዳይ ኢትዮጵያ ኣመልኪቱ ሎሚ ዕጹው ኣኼባ ይካየድ ምህላዉ ተፈሊጡ ኣሎ። ባይቶ ጸጥታ ነዚ ዕጹው ኣኼባ ዘካየዶ ዘሎ፡ ኮሚሽነር ሕብረት ኣፍሪቃ ሙሳ ፋኪ መሃማት ድሕሪ ምውላዕ ኲናት ክልል ትግራይ ብዝርአ ዘሎ ሰብኣዊ ቅልውላው ናብቲ ሕብረት ድሕሪ ዘቕረቦ ጸብጻብ’ዩ። ኢትዮጵያ ኣብቲ ዘተ ክትዕደም ምዃና ዝበጽሓና ሓበሬታ የረድእ። ትካል ምውህሃድ ሓገዝ ሕቡራት ሃገራት (ኦቻ) ድማ ነቲ ዘሎ ሰብኣዊ ቅልውላው መብርሂ ክህብ ምዃኑ ኣቐዲሙ ዝወጸ መደብ ይሕብር።

ንሕብረት ኣፍሪቃዊ ወኪሉ ንዘተ-ሰላም ፈደራል መንግስቲን ንኽልል ትግራይ ዝመርሕ ዘሎ ውድብ ህወሓትን ከሳልጥ ተመዲቡ ዘሎ ፕረዚደንት ናይጀሪያ ነበር ኦሊሰገን ኦባሳንጆ’ውን ብዛዕባ’ቲ ዝካየድ ዘሎ ፈተነታት መብርሂ ንኽህብ ምስ ኣባላት ሃገራት ባይቶ ጸጥታ ምርኻቡ ብኣገልግሎት ዜና ፈረንሳ ዝተዘርግሐ ሓበሬታ የብርህ።

XS
SM
MD
LG