ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ኢትዮጵያ: ክልል ኣምሓራ መንእሰያት ክኸቱ ይጽውዕ ኣሎ


ፕረዚደንት ክልል ኣምሓራ ኣቶ ኣገኘሁ ተሸጋር ብሰንበት ኣብ ዝገበሮ ጻውዒት፡ “ኵሉ መንእሰይ” ብረት ኣልዒሉ ኣንጻር’ቲ ብሓይልታት ትግራይ ዝካየድ ዘሎ መጥቃዕቲ ክኸትት ጸዊዑ። ፕረዚደንት እቲ ክልል ኣገኘሁ ተሸጋር፡ ሓይልታት ትግራይ ንኻብ ትሽዓተ ክልላት ዝተዋጽኡ ሰራዊት ፈደራል መንግስቲ’ዮም ዘጥቅዑ ዘለዉ ክብል ገሊጹ።

እዚ ናይ ክተት ጻውዒት፡ ኲናት ትግራይ ሸሞንት ኣዋርሕ ኣብ ዘሕለፈሉ እዋን’ዩ ዝካየድ ዘሎ።

ፕረዚደንት ክልል ኣምሓራ ኣገኘሁ ተሻገር፡ ብቴለቪዥን ኣብ ዝሃቦ ቃል፡ “ንዅላቶም መንእሰያት፡ ዕጡቓትን ቅድሚ ሕጂ ዘይዓጠቑን፡ እንተስ ካብ መንግስቲ ወይ’ውን ካብ ውልቃዊ ብረት ተሰኪሞም፡ ኣንጻር ህወሓት ኣብ ዝግበር ዘሎ ቃልሲ ክሳተፉ እጽውዕ፡” ክብል ተዛሪቡ።

ካብ ወገን ህወሓት ግብረ-መልሲ ንምርካብ፡ ንኣፈኛ እቲ ውድብ ጌታቸው ረዳ ምርካብ ኣይተኻእለን።

ኣብ ወርሒ ሕዳር ናይ ዝሓለፈ ዓመት’ዩ ኣብ መንጎ ፈደራል መንግስቲን ንፖለቲካ ኢትዮጵያ ክዕብልል ዝጸንሐ ህወሓትን ኲናት ጀሚሩ።ድሕሪ ሰለስተ ሰሙን፡ ንርእሰ-ከተማ መቐለ ድሕሪ ምቍጽጻሩ፡ ፈደራል መንግስቲ ምዕዋቱ ደኣ ይግለጽ እምበር፡ ኲናት’ሲ ቀጺሉ’ዩ። ኣብ መወዳእታ ወርሒ ሰነ ድማ ሓይልታት ህወሓት፡ ንመቐለን ካልኦት ቦታታት ትግራይን ተቘጻጺሮም።

ዝሓለፈ ሰሙን ሓይልታት ትግራይ ገስጋሶም ብምቕጻል ብኽልል ዓፋር መጥቃዕቲ ፈጺሞም። ከም ኣገላልጻ እቶም ኣዘዝቲ፡ እቲ ብኽልል ዓፋር ዝተኻየደ መጥቃዕቲ፡ ነቶም ምስ ወተሃደራት ፈደራላዊ መንግስቲ ኰይኖም ዘጥቅዑ ዘለዉ ሓይልታት ኣምሓራ ዒላማ ዝገበረ’ዩ።

ክልል ዓፋር፡ ንወደብ ጅቡቲ ምስ ኣዲስ-ኣበባ ዘራኽብ፡ መገዲ-ባቡር ዝሓልፎ፡ ቍልፊ መስመር’ዩ።

ብቐዳም፡ ኣዛዚ ሓይልታት ኣምሓራ ብርጋዴር ጀነራል ተፈራ ማሞ፡ እቲ ኲናት ናብ ክልል ዓፋር ልሒሙ ከም ዘሎ ተዛሪቡ ነይሩ። ብመሰረት ጸብጻባት መራኸቢታት ውሽጢ ሃገር፡ ብርጋዴር ተፈራ፡ እቲ “ኣሸባሪ” ኢሉ ዝጸውዖ ሓይልታት ህወሓት ናብ ክልል ዓፋር ኣጥቂዑ ንኢትዮጵያውያን የበሳብስ ኣሎ ክብል ኣመልኪቱ ነይሩ። ብመሰረት ቃል’ቲ ኣዛዚ ድማ ፍሉይ ሓይሊ ክልል ኣምሓራ፡ ምስ ካልኦት ሓይልታት ተሻሪኹ ይዋጋእ ኣሎ።

እዚ ኲናት ካብ ዝጅምር ብኣሽሓት ዝቑጸሩ ሞይቶም፡ ልዕሊ 2 ሚልዮን ዜጋታት ተመዛቢሎም፡ 5 ሚልዮን ዝግመቱ ድማ ተጸበይቲ ህጹጽ ናይ መግቢ ሓገዝ ኮይኖም ኣለዉ።

XS
SM
MD
LG