ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ኢትዮጵያ: ክልል ሲዳማ ንምምስራት ዘድልይ ሕገ-መንግስታዊ ምድላዋት ከምዝተዛዘመ ተገሊጹ


ኣብ ኢትዮጵያ ክልል ሲዳማ ንምምስራት ሕገ-መንግስታዊ ምድላዋት ከምዝተዛዘመ ቤት-ጽሕፈት ፕሮጀክት ምስረታ ክልል ሲዳማ ኣፍሊጡ። እቲ ምስረታ ድሕሪ 10 መዓልታት ክፍጸም`ውን መደብ ተታሒዙ ከምዘሎ ይግለጽ ኣሎ።

ዝሓለፈ ዓመት ረፈረንደም ብምክያድ ክልል ክኸውን ዘኽእሎ ድምጺ ዝረኸበ ሲዳማ ዝሓለፈ ሰሙን ካብ ቤት-ምኽሪ ክልል ደቡብ ስልጣን ተረኪቡ`ዩ።

ሲዳማ ክልል ምዃና ንምፍራስ ሃገር ጠንቂ ንዝብል ነቔፈታ`ውን ግቡእ ኣይኮነን ዝብል ምላሽ ሂቡሉ`ሎ።

ኣብ ኣወዳድባ ታሪኽ ኢትዮጵያ ብድልየትን ምርጫን ህዝቢ ዝተመስረተ 10ይ ናይ ሲዳማ ክልላዊ መንግስቲ፡ ዝመጽእ 27 ሰነ ኣቆጻጽራ ግእዝ ብወግዒ ክእወጅ ምዃኑ ተፈሊጡ`ሎ።

XS
SM
MD
LG