ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ኢትዮጵያ: ካብ ዲላ ናብ ኣማሮ ይጉዓዛ ኣብ ዝነበራ መካይን ብዝተፈጸመ መጥቓዕቲ 3 ሰባት ሞይቶም


ዲላ - ፋይል
ዲላ - ፋይል

ካብ ዲላ ናብ ወረዳ ኣማሮ ክልል ኦሮምያ ይጓዓዛ ኣብ ልዕሊ ዝነበራ ሓሙሽተ ናይ ጽዕነት መካይን ብሰንኪ ዝተፈጸመ መጥቃዕቲ፣ሰለስተ ሰባት ምሟቶምን ኣርባዕተ ካልኦት ብርቱዕ ጉድኣት ከምዝወረዶምን ተፈሊጡ።

ኣመሓዳሪ ዞባ ገላና ብወገኖም መንግስቲ 'ኦነግ ሸኔ' ክብል ዝጽውዖ ንገዛእ ርእሱ ግንባር ናጽነት ኦሮሞ ኢሉ ዝጽውዕ ውድብ ነቲ መጥቃዕቲ ከምዝፈጸሞን፣ ካብ ክልልን ፌደራልን ሓገዝ ይጽበዩ ከምዘለው ምግላጾም ተፈሊጡ'ሎ።

እዚ ከምዚ'ሉ ከሎ፣ ወሃቢ ቃል ሰራዊት ነጻነት ኦሮሞ ኦዳ ታርቢ ኣብ ዝዘርገሖ ናይ ትዊተር መልእኽቲ፣ ዘይሻራዊ ኣጻራዪ ትካል ወይ ድማ መራኸቢ-ብዙሃን ኣብ ዘይብሉ ሃዋሁ፣ ብመንግስቲ ዝገበር ግህሰት’ዩ ድሕሪ ምባል፣ እቲ መጥቃዕቲ ብናጻ ኣካል ንክጻረ፣ ብሰንኪ’ቲ ብወተሃደራት መንግስቲ ዝወርድ ዘሎ ቅሉዕ ጭፍጨፋ፣ ብዙሓት ሰለማውያን ሰባት ተመዛቢሎም፣ ተፈናቂሎምን እዮም ይብል።

ወሃብ-ቃል ሰራዊት ነጻነት ኦሮሞ ኦዳ ታርቢ "ማሕበረሰብ ዓለም፣ ናጻ ኣካል ኣቚሙ፣ ምጽራይ ክግበር ንጽውዕ" ኢሉ ።

XS
SM
MD
LG