ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ኢትዮጵያ፡ካብ ዝተአከበ ጎሓፍ ሓይሊ ኤሌትሪክ ተመንጭው


ኣብ ዋና ከተማ ኢትዮጵያ አዲስ አበባ ዝርከብ ብተለምዶ “ቆሼ” ተባሂሉ ዝጽዋዕ ቦታ ዝተአከበ ኣስታት 300,000 ቶን ዝኸውን ጎሓፍ ዳግማይ ብምምስራሕ ሓይሊ ኤሌትሪክ ዘመንጭው ምንጪ ጸዓት ኣብቲ ቦታ ይስራሕ’ሎ።

መንግስቲ ምስ ካምሪጅ ኢንዳስቲሪስ ዝተባህለ ናይ ብሪጣንያ ኩባንያ ብምትሕብባር ብዓይነቱ ናይ መጀመርያ ዝኾነ ነቲ ንልዕሊ 50 ዓመታት ኣብቲ ቦታ ክእክብ ዝጸንሓ ጎሓፍ ዳግማይ ብምምስራሕ ናብ መመንጨዊ ጸዓት ንምቕያር ዘኽእል መሳለጥያ ኣብ 2013 ተኺሉ።

ኣብ ዝሓለፈ ዓመታት ብዝተፈላልየ ምክንያት እቲ 120 ሚልዮን ዶላር ወጻኢ ዝተገብረሉ ፕሮጀክት ከይተዛዘመ ጸኒሑ’ዩ እንተኾነ ሕጂ ግን እቲ ፕሮጀክት ተዛዚሙ ስራሕ ክጅምር ድልው ምኳኑን ንኣስታት 1,500 ዜጋታት ናይ ስራሕ ዕድል ዝፈጥር ምኳኑ ይገልጹ።

ኢትዮጵያ፡ካብ ዝተአከበ ጎሓፍ ሓይሊ ኤሌትሪክ ተመንጭው
please wait

No media source currently available

0:00 0:03:51 0:00

ማኔጂንግ ዳይሬክተር እቲ ኩባንያ ኤልያስ ኣለማየሁ ብዛዕባ ምጅማር ስራሕ’ቲ ኩባንያ ከምዚ ይብል።

“ እቲ ትካል ኣስታት 185 ጌጋ ዋት ሓይሊ ኤሌትሪክ ብምምንጫው ናብቲ ዋና መመንጨዊ ጸዓት’ታ ሃገር ክሕውስ’ዩ። እዚ ማለት ድማ ኣስታት 30 ሚእታዊት ሓይሊ መብራሕቲ’ታ ከተማ በዚ መመንጨዊ ጸዓት ክሽፈን’ዩ ማለት’ዩ። ስለዚ እዚ ኩባንያ ነቲ ኣብታ ከተማ ዝተአኸበ ጎሓፍ ኣብ ምምሕዳርን ምምንጫው ጸዓትን ዘተኾረ ንክልተ ዒላማ ዘገልግል’ዩ።”

ይኹን ደኣ እምበር በዚ ዝተኣታተው ዘሎ ሓድሽ ለውጢ ኹሉ ወገን ሕጉስ’ዩ ማለት ኣይኮነን። ኣብቲ ዝተአኸበ ጎሓፍ ኣቑሑት ብምእራይ ዝመሓደሩ ኣስታት 1,500 ዝኾኑ ሰባት እቲ ለውጢ ንመነባብርኦም ብኣሉታ ከምዝጸልው ይሕብሩ።

መርከብ ቦቻሞ አደ ክልተ ቆልዑ በዓልቲ ሓዳር’ያ። መዓልታዊ ደቃ ናብ ቤት ትምህርቲ ድሕሪ ምኻዶም ክሽየጥን ዳግማይ ክምስራሕ ዝክእል ኣቑሑት ብምእራይ ትሸይጥ፡በዚ ድማ ናብራ ከምትመርሕ ትገልጽ።

“ ኣብ ወርሒ ንኣስታት 15 መዓልታት ናብዚ ቦታ ብምኻድ ኣቑሑት ይእክብ። ዳሕራይ ነቲ ኣቑሑት ብምጽራይ ይሸጦ። ካብ 25 ክሳብ 28 ዶላር ይረኽብ። በዚ ድማ ንስድራ ቤተይ መግቢ ክገዝእ ይክእል። ካብ በዓል ቤተይ ዝረኽቦ አታዊ ድማ ንካልእ ወጻኢታት ይሽፍን። ብተወሳኺ ኣብ ዝደለኽዎ ጊዜ ናብ ገዛይ ክምለስን ደቀይ ክርእይን ይኽእል ኣብ ካልእ ስራሕ ከምዚ ዓይነት ዕድል ኣይረኽብን።” ድሕሪ ምባል አታዊ በዓል ቤታ እኹል ብዘይምዃኑ ናብዚ ስራሕ ምውፋራ’ውን ትሕብር።

ናብዚ ቦታ ብምምጻእ ኣቑሑት ምእራይ ንዝሓለፈ ሽዱሽተ ዓመታት ከምዝሰርሓት ብምግላጽ ሕጂ ግን ዘለዋ ሻቕሎት ከምዚ ክትብል ትሕብር።

“ እቲ ዝተአኸበ ጎሓፍ እንተተዓጽዩ ኣብ ገዛ ኮፍ ክብል ክግደድ’የ። ስለዚ ከም ናይ ገዛ ሰራሕተኛ ዝአመሰሉ ስራሕ ክደልይ ክግደድ’የ። ኣብ ካልእ ቦታ ስራሕ ምርካብ ድማ ቀሊል ኣይኾነን ካብ መጀመርያ’ውን ካልእ ናይ ስራሕ ዕድል እንተዝረኽብ ኔረ ኣብ ቆሼ ንምስራሕ ኣይምተገደድኹን ኔረ።”

እቲ ዝተአኸበ ጎሓፍ ካብ ዝፈጥሮ ሽታ ብተወሳኺ ሚቴን ዝተባህለ ንአከባቢ ሓደገኛ ዝኾነ ጋዝ ከምዝተፍእ ሰብ ሞያ ይሕብሩ። እዚ ጋዝ ድማ ንሙቐት ጸሓይ ካብ ሃዋህው ብምምጣጥ ለውጢ ክሊማ የስዕብ።

እዚ ሓድሽ ፕሮጀክት ነቲ ጋዝ ናብ ሃውህው ከይሕወስ ከምዝኸላከል ሰብ ሞያ ወሲኾም የረድኡ።

እዚ ፕሮጀክት አካል እቲ መንግስቲ ኣብ ሕዳር 2011 ዓ.ም ንኢትዮጵያ ካብ ማእከላይ አታዊ ዘለዎም ሃገራት ንምጽንባርን ብ2025 ናብ ሃዋህው ዝፍነው ጋዝ መጠን ከይወስኽ ንምግባር ዘካይዶ ጻዕርታት አካል ምዃኑ ይፍለጥ።

XS
SM
MD
LG