ኣብ ኢትዮጵያ ቅድሚ ሰሙናት ካብ ዓለምለኸ መዓረፎ ነፈርቲ ቦሌ ብሓይልታት ፀጥታ ተወሲዶም ኣበይ ከምዝነበሩ ኣይተፈልጠን ዝተባህሉ ዝተፈላለዩ ኣባላት ኣመራርሓ ፖለቲካዊ ፓርትታት ኣብ ሓደ መወሸቢ ከምዝነበሩ ተፈሊጡ።
ካብቶም ሓሙሽተ መራሕቲ ፖለቲካዊ ፓርቲታት ሓደ ግን ፖሊስ ብገበን ጠርጢረዮም ኣለኹ ምባሉ ናይ ቀረባ ምንጭታት ገሊፆም።
ቅድሚ ክልተ ሰሙናት ኣብ ከተማ መቐለ ክካየድ ኣብዝተባህለ ናይ ፌደራል ሓይልታት ኣኼባ ንምርካብ ቦሌ ዓለምለኸ መዓረፎ ነፈርቲ ብሓይልታት ፀጥታ ተታሒዞም ንቫይረስኮሮና ተቓሊዖም ተባሂሎም ናብ ዝውሸብሉ ቦታ ተወሲዶም ከምዝነበሩ ኣቦ መንበር ናይ ኢትዮጵያ ዴሞክራሲያዊ ሓድነት ምንቅስቓስ ኣቶ ጉዕሽ ገብረስላሰ ገሊፆም። ጉዕዙኦም ብሃንደበት ከምዝተቋረፀን ናይ ሓሙሽቲኦም ሽም ተፀዊዑ ንምርመራ ጥዕና ናብ ካልእ ቦታ ከምዝውሰዱ ከምዝተነግሮምይገልፁ።
ንሶም ግን ብሰበብ ኣስባብ ኣብ መቐለ እነካይዶ ኣኼባ ንንምትዕንቓፍ ዝተገብረ ናይ ፖለቲካ መጥቓዕቲ እዩ ይብሉ።ኣቦ መንበር ናይ ኢትዮጵያ ዴሞክራሲያዊ ሕብረት ዝኾኑ ኣቶ ገብሩ በርሀ ግን ኩላቶም ድሕሪ 10 መዓልታት ካብ ኮቪድ-19 ነፃ ምኳኖም ምስተረጋገፀ ብሽብር ተጠርጢርካ ኣለኻ ብዝብል ናብ ቤት ፍርዲ ከምዘቕረቡዎ ገሊፆም ።