ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ኢትዮጵያ ካብ ንግዲ ወጻኢ 4 ቢልዮን ዶላር ከምዝኸሰበት ተገሊጹ


ዳይሬክተር ኣገልግሎት ዲያስፖራ- መሃመድ እድሪስ
ዳይሬክተር ኣገልግሎት ዲያስፖራ- መሃመድ እድሪስ

ኢትዮጵያ ሎሚ ዓመት ካብ ንግዲ ወጻኢ ኣርባዕተ ቢልዮን ዶላር ከምዝኸሰበት ገሊጻ።

ሎሚ ዓርቢ ኣብ ናይ ወጻኢ ንግዲ ንዝተዋፈሩ አካላት ኣፍልጦ ንምሃብ ኣብ ዝተዳለወ ስነ ስርዓት፣ ንግዲ ወጻኢ ሎም ዓመት 4.12 ቢልዮን ዶላር ኣመሪካ ከምዝበጽሐ ተሓቢሩ።

እንተኾነ ኣብቲ ዓውዲ ሕጂ’ውን ብድሆታት ከምዘለው ኣብቲ ኣጋጢሙ ተገሊጹ'ሎ።

በዓል ስልጣን’ቲ ቤት ዕዮ ኣቶ ሙሴ ምንዳዬ ንድምጺ ኣመሪካ ኣብ ዝሃብዎ ርእይቶ "ኣብ’ታ ሃገር ዘሎ ግጭትን ዘይምርግጋእን፣ ኣብ ልዕሊ ንግዲ ወጻኢ ኣሉታዊ ጽልዋ ኣስዒቡ ኣሎ። ኢትዮጵያ ካብ ዕድላት ኣግዋ ምውጻኣ’ውን ተጽዕኖ ኣለዎ። ናብ ኣግዋ ንምምላስ ጻዕሪታት ይቅጽሉ ኣለው" ኢሎም።

XS
SM
MD
LG