ንመራኸቢታት እታ ሃገር ብምጥቃስ፡ ኣገልግሎት ዜና ሮይተርስ ኣብ ዝዘርግሖ ሓበሬታ፡ ኢትዮጵያ ንኻልኣይ እብረ ምምላእ ግድብ ህዳሴ ኣብ ምዝዛም ከምዘላ ኣፍሊጣ። ምምላእ እዛ ሰፊሕ ጸዓት ከተመንጩ ትጽቢት ዝግበር ሓጽቢ፡ ንቑጠባዊ ህልውናኣ ወሳኒ ምዃኑያ ኢትዮጵያ እትሕብር። እዚ በይንኣዊ ናይ ምምላእ ስጕምቲ ግን ንግብጺ ዘቘጥዕ’ዩ።
ኣገልግሎት ዜና ኢትዮጵያ ብሰኑይ ኣብ ዘዝርግሖ ሓበሬታ፡ እቲ ሓጽቢ ኣብ “ውሽጢ ደቓይቕ” ክትመልእ ምዃና ኣመልኪቱ።
ምምላእ እቲ ሓጽቢ ናይ ህላወ ሕቶ ምዃኑ እትገልጽ ግብጺ፡ ነቲ ስጕምቲ ኣትሪራ ከም እትቃወሞ ኣቐዲማ ከተፍልጥ ጸኒሓ። ሱዳን ብወገና፡ ነቲ በይንኣዊ ስጕምቲ ኣብ ሓጽብታታ ክህሉዎ ዝኽእል ሳዕቤናትን ስክፍታታን ክትገልጽ ጸኒሓ’ያ።
ንሰለስቲአን ሃገራት ኣብ ኣተዓራቒ ሓሳብ ንምምጻእ ክካይድ ዝጸንሐ ፈተነታት ውጽኢት ኣየምጽአን። ኣሜሪካ እትርከበን ካልኦት ዓበይቲ ሃገራት፡ በይንኣዊ ስጕምቲ ዝኸፍአ ሳዕቤን ከስዕብ ከምዘኽእል ብምጥንቃቕ፡ ሰለስተኣን ሃገራት ዝኣስር ሓቛፊ ውሳነ ክወስዳ የዘኻኽራ ኣለዋ።