ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ኢትዮጵያ:ካልኣይቲ ሳተላይት ናብ ህዋ ምውንጫፋ ኣፍሊጣ


ፋይል
ፋይል

ኢትዮጵያ ኢቲ ስማርት ኣር ኤስ ኤስ/ET Smart RSS/ ዝተባህለት ሳተላይት ትማሊ ናብ ህዋ ምውንጫፋ ኣፍሊጣ።

ብሓገዝ ቻይና ናብ ህዋ ናይ ዝተልኣኸት ካልአይቲ ሳተላይት ዕማም ናይ መሬት ገፅ ሓበሬታ ምእካብን ኣብ መሬት ናብ ዝርከብ ማእኸል ምልኣኽን ምዃኑ ናይ ኢትዮጵያ ኢንስቲትዩት ሳይንስ ህዋን ቴክኖሎጂን ኣፍሊጡ ኣሎ።

ናይቲ ኢንስቲትዩት ምኽትል ዋና ዳይሬክተር ዶክተር ይሽሩን ኣለሙ ንድምጺ ኣሜሪካ ኣብ ዝሃቡዎ መብርሂ እታ ትማሊ ዝተልኣኸት ሳተላይት ለውጢ ኩነታት ኣየር ንምቁፅፃር ኣብ ዝግበሩ ፃዕርታት ንምሕጋዝን ምስ ሕርሻ ዝተኣሳሰሩ መፅናዕትታትን ምርምራትን ንምፍፃምን ካልኦት ኣብ መሰረተ ልምዓትን ዝውዕሉ መረዳእታታትን ንምእካብን ምዃኑ ገሊፆም ኣለው ።

XS
SM
MD
LG