ዋሽንግተን —
ኢትዮጵያ ብሰንኪ ምጉዳል ዓቐን ማይ ኣብ መመንጨዊ ሓይሊ ኤሌትሪክ’ታ ሃገር ንዘቤታዊን ኢንዳስትርያዊን ኣገልግሎት ኤሌትሪክ ብፈረቓ ምሃብ ምጅማራ ሚንስትር ማይን ጸዓትን ኣቶ ስለሺ በቀለ ንኣገልግሎት ዜና ሮይተርስ ገሊጾም።
ንሶም ወሲኾም ንሓደ ሲሶ ካብቲ ነታ ሃገር ካብ ዘድሊ 1,400 ሜጋዋት ሓይሊ ኤሌትሪክ ዘመንጭው ግልገል ጊበ ሳልሳይ ሕጽረት 476 ሜጋዋት ከምዘጋጠሞ ሓቢሮም።
ኣቶ ስለሺ ኢትዮጵያ ናብ ጎረባብቲ ሃገራት ሱዳንን ጅቡቲን ትልእኾ ዝነበረትን ኣብ ዓመት 82 ሚልዮን ዶላር አታዊ ዘርክበላ ዝነበረን ሰደድ ሓይሊ ኤሌትሪክ’ውን ንጊዚኡ ደው ኣቢላቶ’ላ ኢሎም ።
እዚ ብፈረቓ ዝውሃብ ኣገልግሎት ኤሌትሪክ ክሳብ ወርሒ ሓምለ ዝጸንሕ እዩ።ዓማዊል ውሽጢ ሃገር ኣብ መዓልቲ ንገለ ሰዓታት ኣገልግሎት ኤሌትሪክ ከምዘይረኽቡን ኣብ ፍርያት ሓጺንን ሲሚንቶን ዝተዋፈራ ትካላት ድማ ናይ ስራሕ ሰዓተን ከምዘጉድላን ኣቶ ስለሺ ኣብሪሆም።