ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ኢትዮጵያ: ኣብ ጋምቤላ ካብ ደቡብ ሱዳን ዝኾኑ ዶብ ሰጊሮም ብዝፈጸምዎ መጥቓዕቲ 8 ሰባት ሞይቶም


ጋምቤላ
ጋምቤላ

ኣብ ኢትዮጵያ ጋምቤላ ካብ ደቡብ ሱዳን ዓሌት ሙርሌ ዝኾኑ፣ ዶብ ሰጊሮም ብሰንኪ ዝፈነውዎ መጥቓዕቲ ሸሞንተ ሰባት ከምዝቀተሉን ካልኦት ሓሙሽተ ከምዘቆስሉን ኮምሽነር ኮምሽን ፖሊስ ጋምቤላ ኦቡላ ኦቡንግ ገሊጾም።

እቶም ዕጡቃት ዝሓለፈ ቅነ ንክልተ ቆልዑ ከምዝጨወዩን ን71 ጥሪታት ከምዝወሰዱን እቶም ኮምሽነር ፖሊስ ሓቢሮም።

ካብ’ቶም ዕጡቃት ይኹን ካብ መንግስቲ ደቡብ ሱዳን ብዛዕባ ተፈጺሙ ዝተባህለ መጥቓዕቲ ዝተዋሃበ ግብረ መልሲ ዛጊት የለን።

XS
SM
MD
LG