ቀዳማይ ሚንስትር ኢትዮጵያ ኣብይ ኣሕመድ ደቡብ ኣፍሪቃ ኣብ መንጎ ግብጺን ኢትዮጵያን ኣብ ጉዳይ ግድብ ህዳሴ ተፈጢሩ ዘሎ ምስሕሓብ መንጎኛ ክትከውን ጸዊዖም።
ቀ/ሚ ኣብይ ኣሕመድ ኣብ ደቡብ ኣፍሪቃ ኣብ ዘካየድዎ ዝነብረ ዑደት ፕረዚደንት ሲራል ራምፖሳ ከም መጻኢ ኣቦ መንበር ሕብረት ኣፍሪቃ ኣብቲ ጉዳይ ሰላማዊ ፍታሕ ኣብ ምርግጋጽ ዓብይ ተራ ክጻወቱ ይክእሉ’ዮም ኢሎም።
“ ኢትዮጵያ ኩሉ ጊዜ ኩሉ ወገን ዝዕወትሉ መርገጺ ኢያ ምስ ሱዳንን ግብጺን ክትክተል ጸኒሓ። በዚ መሰረት ድማ ፕረዚደንት ራምፖሳ ከም ምስ ኢትዮጵያን ግብጺን ዘለዎም ሰናይ ምሕዝነትን ከም መጻኢ አቦ መንበር ሕብረት ኣፍሪቃ ኣብ መንጎ ክልቲኦም ወገናት ዝካየደ ዘተ መንጎኛ ኽኮኑ ንጽውዕ።”
ኣብ መንጎ ኢትዮጵያ፡ግብጺን ሱዳንን ዝሓለፈ ሰሙን ኣብ አዲስ አበባ ዝተኻየደ ዘተ ብዘይ ስምምዕ ምዝዛሙ ይዝከር። ግብጺ፡ ኢትዮጵያ ንምምላእ’ቲ ግድብ ክተደናጉይ ክትሓትት ከላ ኢትዮጵያ ድማ ነቲ 70 ሚእታዊት ተዛዚሙ ዘሎ ምምላእ’ቲ ግድብ ክዛዝም ትጠልብ።
ሚንስትራት ማይን ጸዓትን ሰለስቲኣን ሃገራት ኣብ ሓደ ስምምዕ ንምብጻሕ ሎሚ ኣብ ዋሽንግተን ተራኺቦም ኣለው።
ፕረዚደንት ራምፖሳ ብወገኖም ነቲ ጉዳይ ምስ ፕረዚደትን ግብጺ ምዝዝርራቦም ንጋዜጠኛታት ሓቢሮም ኣለው።
ኣብዚ ናይ ቀ/ሚ ኣብይ ኣሕመድ ዑደት ኣብ ደቡብ ኣፍሪቃ ክልቲኣን ሃገራት ኣብ ጥዕና፡ቱሪዝምን ቴሌኮሚኒኬሽንን ዝተፈላለዩ ስምምዓት ምፍርራሞም ተፈሊጡ’ሎ።
ቀ/ሚ ኣብይ ኣሕመድ ምስ ኣብታ ሃገር ዝነብሪ ኢትዮጵያዊያን ድሕሪ ምምኽኻሮም ድማ መንግስቲ ደቡብ ኣፍሪቃ አድላይ ዘበለ ሰነድ ፍቓድ መንበሩ ንክህቦም ከምዝሓተቱ ተገሊጹ'ሎ።
ብተወሳኺ ፕረዚደንት ራምፖሳ ሃገሮም ኣብቲ ሃገር ዝነብሩ ኢትዮጵያዊያን ካብ ዓሌት መሰረት ዝገብረ መጥቓዕቲ ከምዝከላከሉሎም ገሊጾም ኣለው።