ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ኢትዮጵያ: ኣብ ዞባ ስልጤ ትካላት እምነት ብምቅጻል ዝተጠርጠሩ 79 ሰባት ኣብ ቐይዲ ምእታዎም'ቲ ዞባ ገሊጹ


ሃዋሳ
ሃዋሳ

ኣብ ኢትዮጵያ ክልል ደቡብ ምምሕዳር ዞባ ስልጤ ኣብ ልዕሊ ትካላት እምነት ክርስትና መጥቓዕቲ ፈጺሞም ዝተባህሉ 79 ጥርጡራት ኣብ ቐይዲ ምእታዎም ተገሊጹ።

ኣብ ዞባ ስልጤ ከተማ ወራቤን ወረዳ ሳንኩራን ሓላፊ መምርሒ ጉዳያት ኮሚኒኬሸን ኣቶ ከድር ዓብደላ ኣብ ወርሒ ሚያዝያ ብጉልባብ ሃይማኖት ንዝተፈጥረ ፀገም ፀጥታ ምርግጋእ ከምዝተኻእለን ብገበን ዝተጠርጠሩ ዉልቀ ሰባት ከምዝተታሕዙን ዝተፈልዩ ተጠርጠርቲ ኸኣ ይድለዩ ምህልዎም ገሊፆም።

ህዝቢ’ቲ ዞባን መንግስቲን ንዝነደዱ ትካላት እምነት መሊስካ ንምህናፅ ገንዘብ ከተኣኻኽብ ከም ዝጀመረ ናይቲ ዞባ ሓላፊ መምርሒ ጉዳያት ኮሚኒከሽን ኣቶ ከድር ዓብደላ ንድምጺ ኣመሪካ ገሊጾም ኣለው ።

XS
SM
MD
LG