ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ኢትዮጵያ: ኣብ ዝመጽእ 10 ዓመታት 3 ሳተላይት ናብ ህዋ ከምትውንጭፍ ተገሊጹ


ፋይል

ኢትዮጵያ ንዝቕጽሉ 10 ዓመታት ንዝተፈላለያ ኣገልግሎታት ዝውዕላ ሰለስተ ሳተላይት ከም እተወንጭፍ ኢንስቲቱት ስፔስ ሳይንስን ቴክኖሎጂን`ታ ሃገር ኣፍሊጡ።

እዚ ዝተገልጸ ዝሓለፈ ዓመት ዝተወንጨፈት ETRSS1 ዝተሰምየት ሳታላይት ሓደ ዓመት ንምዝካር ኣብ ዝተኻየደ ስነ-ስርዓት`ዩ።

ዳይሬክተር`ቲ ኢንስቲቱት ኣቶ ኣብዲሳ ይልማ፡ ኣብ ዝቕጽል 10 ዓመታት ካብ ዝለኣኻ ሳታላይታት ሓንቲ፥ ናይ ክፍሊ ኮሚንኬሽንን ብሮድካስቲንግ ከም ትኸውን ብምግላጽ፥ ኢትዮጵያ ነቲ ዓውዲ ተውጽኦ ዝነበረት ሚልዮናት ዶላራት ከምዘድሕና ኣፍሊጡ።

ኣብቲ ስነ ስርዓት ኣብ ዓውዲ ሳይንስን ቴክኖሎጅን ኣበርክቶ ንዝገበሩ ኣካላት`ውን ኣፍልጦ ተዋሂቡ`ሎ ።

ርእይቶታት ንምርኣይ

XS
SM
MD
LG