ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ኢትዮጵያ ኣብ ዝሓለፈ 24 ሰዓታት 14 ሰባት ብቫይረስ ኮሮና ዝተታሕዙ ሰባት ምምዝጋቦም ተገሊጹ


ወሃቢት ቃል ቤት ጽሕፈት ቀ/ሚ ቢል ለኔ ስዩም

ኣብ ኢትዮጵያ ኣብ’ዘን ዝሓለፋ 24 ሰዓታት መርመራታት ላብራቶሪ ካብ ዝተገብረሎም 3,271 ሰባት 14 ሰባት ቫይረስ ኮሮና ዝተረኸቦም ኮይኖም ኣለው።

እቶም ሰባት ዕድሚኦም ካብ 9 ክሳብ 68 ዓመት ከምዝኾኖምን፣ 14 ደቂ ተባዕትዮ አተን 3 ድማ ደቂ ኣንስትዮ እየን።ትሸዓተ ኣብ አዲስ አበባ ፣ 1 ካብ ትግራይ፣ 1 ካብ ኦሮምያ፣ 3 ካብ ክልል ሶማሌ እዮም።

እቶም ሽዱሽተ ናብ ወጻኢ ሃገራት ዝተመልሱ፣ እቶም ሸውዓተ ድማ ቫይረስ ኮሮና ምስ ዝሓዞ ሰብ ዝተራኸቡ ከምዝኾኑ’ውን ዝመጸና ዜና ጠቂሱ።

እዚ ከም’ዚ’ሉ ከሎ፣ ኣብ ኢትዮጵያ መዓልታዊ ብቫይረስ ኮሮና ብዝሒ ዝታሓዙ ሰባት ናብ ክልተ ኣሃዝ ካብ ዝሰግር ሰሙናት ተቆጺሩ ኣሎ።

ነዚ ኣመልኪታ ርእይቶ ዝሃበት ወሃቢት ቃል ቤት ጽሕፈት ቀ/ሚ ዝኾነት ቢል ለኔ ስዩም ‘ትማሊ ብበዝሒ ዝተለኸፉ ሰባት ከምዝተመዝገቡን፣ ሕብረተ ሰብ ካብ’ዚ ለውጢ’ዚ ክማሃርን ክጥንቀቅን ከምዝግባእ’ ኣተሓሳሲባ።

XS
SM
MD
LG