ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ኢትዮጵያ: ኣብ ዝሓለፈ ሽዱሽተ ወርሒ 13,000 ሰባት ብናይ ምሕረት ኣዋጅ ተፈቲሖም


ኢትዮጵያ ኣብ ዝሓለፈ ሽዱሽተ ኣዋርሕ ብክስታት ግብረ ሽበራን ክሕደት ሃገርን ኣብ ማእሰርቲ ዝጸንሑ 13,000 ሰባት ምሕረት ምፍትሓ ፈደራል ዓቃቢ ሕጊ ኣፍሊጡ ክብላ መራኸቢ ብዙሃን ውሽጢ ሃገር ሓቢረን።

ንምርጫ 2015 ስዒቡ ኣብታ ሃገር ብዝተላዕለ ተቓውሞ ተማሃሮ: ጋዜጠኛታት: ኣመራርሓ ተቓዋሚ ውድባት ዝርኸብዎም ኣስታት 30,000 ሰባት ኣብ ማእሰርቲ ምንባሮም ይፍለጥ።

ቀዳማይ ሚንስትር ኣብይ ኣሕመድ ኣብ ወርሒ ሚያዝያ ናብ መዝነት ድሕሪ ምምጽኦም ነቶም ብክሲ ግብረ ሽበራ ተኸሲሶም ኣብ ማእሰርቲ ዝጸንሑ ንሽዱሽተ ወርሒ ብዝጸንሕ ናይ ምሕረት ኣዋጅ ካብ ማእሰርቲ ምፍትሖም ይፍለጥ።

እቲ ኣብ ወርሒ ሓምለ 2018 ብፓርላማ ዝጸደቐ ናይ ሽዱሽተ ወርሒ ናይ ምሕረት ኣዋጅ ትማሊ ዘብቕዓ ክኸውን ከሎ በዚ አዋጅ ኣስታት 13,200 ሰባት ተጠቐምቲ ምኳኖም ንዓቓቢ ሕጊ ብምጥቃስ ፋና ብሮድካስቲንግ ሓቢሩ።

ይኹን ደአ እምበር እቲ ናይ ምሕረት ኣዋጅ ብምጽናት ዓሌት: ዘይሕጋዊ መቕተልቲ: ጭውያን ሰብኣዊ ዘይኾነ ስቅያት ፈጺሞም ዝተኸሱ ከምዘይምልከት ፋና ብሮድካስቲንግ ወሲኹ ሓቢሩ’ሎ።

እዚ ከምዚ ኢሉ ከሎ መንግስቲ ሕጊ ግብረሽበራ ንምምሕያሽ ምስ ተቓወምቲ ውድባትን ሲቪል ማሕበረሰባት ይዘራረብ ከምዘሎ ይፍለጥ።

XS
SM
MD
LG