ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ኢትዮጵያ: ኣብ ወጥሪ ኣብ ትርከበሉ ዳግም ንምርጫ ኣናዊሓ


ገለ ተቓወምቲ ፓርትታት ኣብቲ ምርጫ ኣይንሳተፍን ድሕሪ ምባሎም ኢትዮጵያ ንሃገራዊ ምርጫ ዳግም ኣናዊሓቶ።ኣባል መሪሕነት ተቓዋሚ ፓርቲ ይልቃል ጌትነት እታ ሃገር ኣብዚ ሕዚ እዋን ምርጫ ንምክያድ ድልውቲ ኣይኮነትን ኢሎም።ብዛዕባ ምንዋሕ ናይቲ ምርጫ ሪኢቱኦም ዝሃቡ መራሕቲ ተቓዋሚ ፕሮፌሰር መራራ ጉዲና ብወገኖም ዝካየድ ምርጫ ናይ ኢትዮጵያ መሰረታዊ ፀገማት ሰላም፣ምርግጋእን ዴሞክራን ከምኡ እውን ትርጉም ዘለዎ ምዕባለን ስለዘየምፅእ ትርጉም የብሉን ክብሉ ገሊፆም።ናይ ዩናይትድ ስቴት ምንስቴር ጉዳያት ወፃኢ ኣንቶኒ ብሊንከን ‘ወትሃደራዊ ሓይልታት፣ ናብ ገሊኡ ዞባታት ትግራይ ሰብኣዊ ረድኤት ንከይኣትዉ ዝዓገቱሉን እናወሰኸ ዝኸይድ ዘሎ ዝተረጋገጸ ጸገማትን ንዩናይትድ ስቴትስ ኣተሓሳሲብዋ ኣሎ ኢሎም።

ወታደራት ኤርትራ ካብ ትግራይ ክወፁ፣መንግስቲ ኢትዮጵያ ድማ ንናይ ክልል ኣምሓራ ካብ ትግራይ ከውፅእን ኣብ ትሕቲ ቁፅፅር ኣምሓራ ዝርከቡ ክፋላት ክልል ትግራይ ናብ ትግራይ ክምለሱን ብሊንከን ኣብ ዘውፅእዎ መግለፂ ፀዊዖም።

ብቅድሚ ትማሊ ቀዳም ምስ ተወከልቲ ፖለቲካዊ ውድባት ዝተራኸባ ሓላፊት ኮሚሽን ቦርድ ምርጫ ኢትዮጵያ ወይዘሪት ብርትኳን ሚደቅሳ 28 ግንቦት 2013 ዓ\ም ዝካየድ ምርጫ እንተወሓደ ንክልተ ወይ ሰለስተ ሰሙናት ተናዊሑ ኣሎ ኢለን።ምሕታም ናይ ምርጫ ካርድታትን ካልኦት ስራሕትን ንምዝዛም ዝብሉ ምኽኒያታት ጠቒሰን ኣለዋ።

ኣብ ዝሓለፈ ዓመት ናይ መናውሒ ምኽኒያት ለበዳ ኮቪድ 19 ነይሩ።እቲ ፈላማይ ምንዋሕ ምስ መራሕቲ ክልል ትግራይ ወጥሪ ክንህር ገይሩ።መራሕቲ ትግራይ እቶም ቀዳማይ ምንስቴር ስልጣኖም ኣብቂዑ እዩ ክብሉ ብምእዋጅ ናይ ባዕሎም ክልላዊ ምርጫ ኣካይዶም ኢትዮጵያ ድማ ዘይሕጋዊ እዩ ክትብል ፀዊዓቶ።

ካብ ሽዑ ጀሚሩ ኣብ ትግራይ ይካየድ ብዘሎ ኵናት ኣሽሓት ተቐቲሎም፤ዩናይትድ ስቴትስ ኣብ ምዕራብ ትግራይ ኣብ ልዕሊ ተወልደቲ ትግራይ ምፅናት ዘርኢ ተፈፂሙ ዝብል ክሲ ክተቐርብ ገይሩዋ።ምፅናት ዘርኢ ‘’Ethnic Cleansing’’ ካብ ሓደ ከባቢ ንህዝቢ ብሓይሊ ብምብራርን ብምቕታልን ፆታዊ ዓመፅ ብምፍፃም ሓዊሱ ብኻልኦት ህውከትን ዝፍፀም በደል ዝምልከት እዩ።

ናይ ዩናይትድ ስቴትስ ምንስቴር ጉዳያት ወፃኢ ኣንቶኒ ብሊንከን ብቅድሚ ትማሊ ቀዳም ኣብ ዘውፅእዎ መግለፂ ‘’ወትሃደራዊ ሓይልታት፣ ናብ ገሊኡ ዞባታት ትግራይ ሰብኣዊ ረድኤት ንከይኣትዉ ዝዓገቱሉን እናወሰኸ ዝኸይድ ዘሎ ዝተረጋገጸ ጸገማትን ንዩናይትድ ስቴትስ ኣተሓሳሲብዋ ኣሎ። እዚ ተቐባልነት ዘይብሉ ኩነታት’ዚ፣ን5.2 ሚልዮን ተጸባዪ ረድኤት ዝኾነ ህዝቢእቲ ክልል ኣብ ሓደጋ ዘውድቅ እዩ’' ይብል።

መሰኻኽር ንረድኤት ይዓፅው ወይ ይሰርቁን ብጉጅለ ፆታዊ ዓመፅ ይፍፅሙ ኣለውን ዝበሉዎ ወታደራት ኤርትራ ብዘይውዓል ሕደር ካብ ትግራይ ክወፁ እቲ መግለፂ ደጊሙ ኣተሓሳሲቡ ኣሎ።

‘’ሰበ ስልጣን ኤርትራን ኢትዮጵያን ሰራዊት ኤርትራ ክወጽእ ብተደጋጋሚ ቃል ኣትዮም እዮም’‘ ይብል እቲ መግለፂ።

’መንግስቲ ኢትዮጵያ ንሓይልታት ክልል ኣምሓራ ካብ ክልል ትግራይ ከውጸኦምን ምዕራባዊ ትግራይ ናብ ትሕቲ ቁጽጽር ጊዚያዊ መንግስቲ ትግራይ ንክምለስን ንክሰርሕ ንምሕጸን ኣለና’’ ይብል እቲ መግለፂ።

ቀ\ሚ ኣብዪ ኣሕመድን ፕረዚደንት ኢሳያስ ኣፈወርቂን ንፈጸምቲ ግፍዒ ናብ ፍርዲ ንከቅርብዎም ፀዊዑ ኣሎ መግለፂ ኣንቶኒ ብሊንከን።

እዚ ከምዚ ኢሉ እናሃለወ ኣብ ሕቡራት መንግስታት ኣምባሳደር ዩናይትድ ስቴትስ ሊንዳ ቶማስ ግሪንፊልድ ኣብዝሓለፉ ማዕልታት ብትዊተር ኣብ ዝፀሓፍኦ መልእኽቲ ፍልኡይ ልኡኽ ፌልትማን ንቀዳማይ ምንስቴር ኣብይን ካልኦት መራሕቲ ኢትዮጵያን ከምገለፁሎም ሰብኣዊ ረድኤት ንዘድልዮም ሚሊዮናት ህፁፅ ስጉምቲ ምውሳድ የድሊ ኢለን።ቶኽሲ ጠጠው ምባል ንምስፋንን እዚ ግጭት ከብቅዕን ምስ መሻርኽትና መሓዙትናን ምስራሕና ክቕፅል እዩ ኢለን።ንሰን ብምውሳኽ ፆታዊ ዓመፅን ንጋዜጠኛታት ዒላማ ምግባርን ሓዊሱ ኣብ ትግራይ ዝቐፀሉ ፀብፃባት መግሃስታት ሰብኣዊ መሰላት ኣዚዩ ዘተሓሳስብ እዩ፤ፈፀምቱ ክሕተቱ ኣለዎ ኢለን።ኤርትራ ቅድሚ ሓደ ወርሒ ዝኣተወቶ ቃል ወታደራታ ካብ ኢትዮጵያ ክተውፅእ ኣለዋ ኢለን ኣምባሳደር ሊንዳ።

ናይ ኖቤል ናይ ሰላም ሽልማት ተዓዋታይ ቀዳማይ ምንስቴ ር ኣብይ እዚ ናይ ሎሚ ምርጫ ነፃን ፍትሓውን ከምዝኸውን ቃል ኣትዮም እዮም።

ብልፅግና ፓርቲ ኣብ ፓርላማ ዓብላላይ ወንበር እንተስዒሩ ኣብይ ኣብ ስልጣኖም ክፀንሑ እዮም።ኣብ ካልኦት ክፋላት እታ ሃገር ሓልሓሊፉ ደማዊ ናይ ብሄር ወጥርታት ኣብ ዘለሉ ብዛዕባ እቲ ምርጫ ሕቶታት ምልዓሎም ቀፂሉ ኣሎ።

ኣብ ምርጫ ካብ ምስታፍ ንርእሱ ናይ ዘግለለ ናይ ኦሮሞ ፌደራሊስት ኮንግረስ ኣቦ ወንበር ፕሮፌሰር መራራ ጉዲና ንጋዜጠኛ ቪኦኤ ጄሚስ ባቲ ኣብ ዝሃቡዎ ቃል ቀዳማይ ምንስቴር ኣብይ ኣሕመድን መንግስቶምን ‘'ናይ ውልቀ ምልክነት ምርጫ’' ኢሎም ዝፀውዕዎ ምርጫ ብምክያድ ቅቡልነትን ናይ ወፃኢ ረድኤትን ንምርካብ ክብሉ ንምክያድ እዮም ክትልሙ ዝፀንሑ ኢሎም።

እዚ ምርጫ ንሰለስተ መሰረታዊ ሽግራት ናይታ ሃገር ኣይፈትሕን ዝበሉ ንሶም ‘’ቀዳማይ ሕቶ ፀላቒ ሰላምን ምርግእን፣ ካልኣይ ዴሞክራቲክ ኢትዮጵያ እቲ ሳልሳይ ድማ ትርጉም ዘለዎ ቁጠባዊ ምዕባለ እዮም’’ ኢሎም።

ንዜጋታት ትርጉም ዘይብሉ እዩ ኢሎም ወሲኾም።

ህብር ኢትዮጵያ ዴሞክራቲክ ፓርቲ ናይ ዝተብሃለ ውድብ ዳይረክተ ጉዳያት ምርጫ ዝኾኑ ይልቃል ጌትነት ንኣሴሸትድ ፕረስ ከምዝበሉዎ ውድቦም እታ ሃገር ኣብዚ ሕዚ እዋን ምርጫ ንምክያድ ድልውቲ እያ ኢሉ ኣይኣምንን ኢሎም።

‘’ምስ ሱዳን ዘሎ ናይ ዶብ ጉዳይ ብተዋሳኺ ኣብ መላእ እታ ሃገር ብዙሕ ናይ ሰላምን ፀጥታን ፈተናታት ኣለው’’ ዝበሉ ይልቃል ጌትነት ድሕነት ሚሊዮናት ሰባት ኣብ ሕቶ ወዲቑ ኣሎ ኢሎም።’’እቲ ገዛኢ ፓርቲ ከምዝሓስቦ ከይኮነስ ምርጫ ነዞም ፀገማት ኣይፈትሕን።ቅድሚ ኩሉ ኣብ ብዙሓት ዛዕባታት ሃገራዊ ዘተ ፈለማ ክመፅእ ኣለዎ’'ኢሎም።

ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ ሓሙሽተ ሰኔተራት ዩናይትድ ስቴትስ ንናይ ዩናይትድ ስቴትስ ፍሉይ ልኡኽ ኣብ ቀርኒ ኣፍሪካ ጀፍረይ ፌልትማን ኣብ ዝፀሓፉዎ መልእኽቲ ናይ ትግራይ ግጭት ኣብ ዝቐፀለሉ እዋን ፍታሓዊ ምርጫ ክካየድ እንተኾይኑ ሻቖልታቶም ገሊፆም ነይሮም።

ናይ ኢትዮጵያ ሃገራዊ ቦርድ ምርጫ ነዚ ኣብ ዝሃቦ ምላሽ እቲ ምርጫ ነፃ ምዃኑ ንምርግጋፅ ፃዕርታት ይገብር ኣለኹ ኢሉ።ቦርድ ምርጫ 36.2 ሚሊዮን ከምዝተመዝገቡ ኣፍሊጡ ኣሎ።ኣስታት 50 ሚሊዮን ክምዝገቡ ተስፋ ነይሩዎ።

ናይ ኣሜሪካ ምንስትሪ ጉዳያት ወፃኢ ‘'ኣብ መላእ እታ ሃገር ዝቐፀለ ፖለቲካውን ናይ ብሄረሰባት ምትፍናን ኣዚዩ ኣሻቒሉና ኣሎ’’ክብል ዝሓለፈ ዓርቢ ገሊፁ ኣሎ።

ምሉእ ትሕዝቶ ኣብዚ ምስማዕ ይክኣል::

ኢትዮጵያ: ኣብ ወጥሪ ኣብ ትርከበሉ ዳግም ንምርጫ ኣናዊሓ
please wait

No media source currently available

0:00 0:06:19 0:00


XS
SM
MD
LG