ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ኢትዮጵያ: ኣብ ወረዳ ዳባት ብሰንኪ ኲናት ካብ መንበሪኦም ዝተመዛበሉ ህጹጽ ሓገዝ ክረኽቡ ይምሕጸኑ


ካብ ጭና ተክለሃይማኖት ወረዳ ዳባት ዝተመዛበሉ

ኣብ ሰሜን ጎንደር ወረዳ ዳባት ብኹናት ካብ መንበሪኦም ዝተመዛበሉ ነበርቲ ህጹጽ ረድኤት ክግበረሎም ይምሕጸኑ`ለዉ። ህወሓት ኣብ ቀበሌና መጽዩ ካብ ዝፈጸሞ ቅትለት ብኣጋጣሚ ድሒንና ዝብሉ ነበርቲ ኣብ ጸገም ሕጽረት መግቢ ከምዘለዉ ይገልጹ።

ነበርቲ ዕጡቓት ሕወሓት ኣብታ ቀበሌ ኣብ ዝጸንሕሉ ሓሙሽተ መዓልታት ንንጹሃን ሰባት ገዛ ገዛ እናኣተዉ ቀቲሎም`ዮም ይብሉ ።

ጭና ተክለሃይማኖት ኣብ ዝተባህለት ቀበሌ፡ ዕጡቓት ህወሓት ልዕሊ 200 ሰለማውያን ሰባት ምቕታሎም ሰበ-ስልጣን`ቲ ከባብን ግዳያትን ምግላጾም ቅድሚ ሎሚ ዝተሓበረ ክኸውን ከሎ፡ ወሃቢ ቃል ህወሓት ብወገኑ፡ ነቲ ክሲ ብምንጻግ ብናጻ ወገን ክጻረ ምጽውዑ ይፍለጥ።

ኣብ ሰሜን ጎንደር ኣመሓዳሪ ንኡስ ወረዳ ዳባት ወቅል ኣቶ ካሳ መሸሻ፡ ኣብ ጭና ቀበሌ ከቢድ ሰብኣዊ ሓደጋ ምውራዱን፡ዝተፈናቐለ ሰብ ናብ ቦትኡ ንክምለስ`ውን ጸጊምዎ ከምዘሎን ድሕሪ ምጥቃስ ሰብኣዊ ረድኤት ንህብ ኢና ዝብሉ ትካላት ነቲ ህዝቢ ክበጽሕሉ ይግባእ ኢሉ።

ርእይቶታት ንምርኣይ

XS
SM
MD
LG