ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ኢትዮጵያ: ኣብ ወረዳ ደራሼ ኣመሓዳሪ'ቲ ወረዳ ዝርከቦም 3 ሰባት ብዕጡቓት ምቕታሎም ኮሚሽን ፖሊስ ሓቢሩ


ሃዋሳ
ሃዋሳ

ኣብ ኢትዮጵያ ክልል ደቡብ ኣመሓዳሪ ፍሉይ ወረዳ ደራሼ ሓዊሱ ሰለስተ ሰባት ኣብቲ ወረዳ ብዝንቀሳቐሱ ዕጡቓት ከምዝተቐትሉ ኮሚሽን ፖሊስ ክልል ደቡብ ኣፍሊጡ።

ኮሚሽነር ኮሚሽን ፖሊስ ክልል ደቡብ ኣለማየሁ ማሞ ኣመሓዳሪ እቲ ወረዳ ኣቶ ቻበርና ኣስፋው፣ ሓላፊ ቤት ፅሕፈት ሃብቲ ልምዓት ዓሳን እንስሳትን ዶክተር ታደለ ታሪኩን ምስኦም ዝነበሩ ሓደ ገባርን ብዕጡቓት ምቕታሎም ሓቢሮም።

ሓይልታት ፀጥታ እቲ ፀገም ንምፍታሕ ኣብቲ ከባቢ ምእታዎምን ዝተዓፀወ ዓብይ ጎደና ናይ ምኽፋት ስራሕ ይስራሕ ከምዘሎን ሓቢሮም።

እቶም ኮሚሽነር ወሲኾም ቁፅሮም ዘይተገልጸ ኣባላት ፖሊስ ክልልን ፌደራልን እውን ከምዝሞቱ ሓቢሮም።

ካብ ዝሓለፈ ሰሙን ኣትሒዙ ኣብ ኮንሶን ወረዳ ደራሼን ብዝተላዕለ ግጭት ብርክት ዝበሉ ሰላማዊያን ሰባት ከምዝተቐትሉን ብዓሰርተታት ኣሽሓት ዝቑጸሩ ነበርቲ ካብ መነባብርኦም ምምዝባሎምን ድምጺ ኣመሪካ ምፅብፃቡ ይዝከር።

XS
SM
MD
LG