ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ኢትዮጵያ፡ ኣብ ወረዳታት ገላን አማሮን ብዝተፈጸመ መጥቓዕቲ 4 ሰባት ሞይቶም 5 ካልኦት ምቑሳሎም ተገሊጹ


ኣብ ክልል ኦሮሚያ ዞባ ምዕራብ ጉጂ ወረዳ ገላን ኣብ ክልል ደቡብ ወረዳ ኣማሮ ኣብቶም ዝሓለፉ ክልተ መዓልታት ብዝተፈፀሙ መጥቓዕታት ኣርባዕተ ሰባት ተቐቲሎም ካልኦት ሓሙሽተ ሰባት ድማ ከምዝቖሰሉ ሰበስልጣን ናይተን ወረዳታት ገሊፆም።

ሓላፊ ኮሚኒኬሽን ወረዳ ገላና ኣቶ ገበየሁ ያዴታ ኣብቲ ከባቢ ብዝዓረዱ ዝበሉዎም ሸፋቱ ኣብ ዝሓለፉ ክልተ መዓልታት ኣብ ልዕሊ ስቪላት መጥቓዕቲ ከምዝተፈፀሙን ሰባት ከምዝተቐትሉን ገሊፆም።

ኣቶ ኣማረ ወሲኾም ዝቖሰሉ ኣብ ኣማሮ ኬሌናን ኣርባምንጭ ሆስፒታል ይሕከሙ ከምዘለው ሓቢሮም።

ኣብቲ ከባቢ ኣብቶም ዝሓለፉ ክልተ ሰለስተ ዓመታት ብዝተፈፀመ መጥቓዕቲ ልዕሊ 600 ሰባት ብግፍዒ ከምዝተቐትሉ ሰበስልጣን ናይቲ ከባቢ ምግላጾም ወኪል ድምጺ ኣሜሪካ ሓቢሩ’ሎ።

XS
SM
MD
LG