ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ኢትዮጵያ:ኣብ ክልል ደቡብ 5 ኣብያተ ክርስትያን ምቕጻሎም ሃገረ ስብከት'ቲ ከባቢ ገሊጹ


ሃዋሳ
ሃዋሳ

ኣብ ደቡብ ክልል ኣብ ከተማታት ወረበአን ወረዳ ሳንኩራን ትማልን ሎሚ ሓሙሽተ ኣብያተ ክርስቲያን ከምዝተቓፀሉን ኣብ ልዕሊ ካህናት ናይተን ኣብያተ ክርስቲያን ጉድኣት ከምዘጋጠመን ናይ ዞባታት ሃዲያን ስልጤን ሃገረ ስብከት ዋና ኣካያዲ ስራሕ መላከ ህይወት ቀሲሲ ንጉሴ ባወቀ ንሬድዮ ድምፂ ኣሜሪካ ገሊፆም።

ነቲ መጥቓዕቲ ደው ንምባል ፈቲኖም ካብ ዝተባሃሉ'ውን ሰለስተ ተማሃሮ ከምዝተቐትሉን ቁፅሮም ዘይፍለጥ ሰባት ጉድኣት ወሪዱዎም ኣብ ሆስፒታል ከምዝኣተውን ገሊፆም ኣለው።

ምኽትል ፕረዚደንት ኣካዳሚያዊ ጉዳያት ወራቤት ዩኒቨርስቲ ዶክተር መሓመድ ኣወል በቲ መጥቓዕቲ ዝሞተ ሓደ ተማሃራይ እዩ ንሱ እውን ንምርመራ ናብ ኣዲስ ኣበባ ምልኣኹ እፈልጥ እየ ኢሎም።

ክልላዊ መንግስቲ ደቡብ ሎሚ ኣብ ዘውፅኦ መግለፂ ብሽፋን ሃይማኖት ንዝተፈፀመ ናይ ኣብያተ ክርስቲያን ምቅፃል ከምዘይዕገሶ ሓቢሩ።

XS
SM
MD
LG