ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ኢትዮጵያ: ኣብ ክልል ዓፋር ብዝተፈጥረ ግጭት ኣስታት 75 ሽሕ ሰባት ካብ መነበሪኦም ምዝንባሎም ተሓቢሩ


ክልል ዓፋር
ክልል ዓፋር

ኣብ ክልል ዓፋር ዞባ ኣርባዕተ ቅድሚ ሰሙን ብዝተፈጥረ ወታሃደራዊ ግጭት ቁጽሪ ካብ መንበሪኦም ዝተመዛበሉ 75,000 ሰባት ከምዝበፅሑ ናይቲ ክልል ሓላፊ ቤት ፅሕፈት ምክልኻል ሓደጋን ውሕስነት መግብን ኣቶ መሓመድ ሑሴን ኣፍሊጦም።

ኣቶ መሓመድ ሑሴን እቲ ፀገም እንተድኣ ቀፂሉን ብቕልጡፍ እንተድኣ ዘይተቐይሩን ልዕሊ ፍርቂ ሚሊዮን ነበርቲ ናይቲ ክልል ንሰብኣዊ ቅልውላው ክቓልዑ እዮም ኢሎም።

ንሶም ብተወሳኺ ተደራራቢ ብዝኾነ ሰብ ሰርሖንን ናይ ተፈጥሮ ሓደጋን ኣብ ሰብኣዊ ረድኤት ተፅዕኖ ምፍጣሩ ወሲኾም ገሊፆም። ካብ ናይቲ ክልል ዓቕሚ ንላዕሊ ብምዃኑ ንፌደራል ኮሚሽን ስግኣት ሓደጋን ስራሕ ኣመራርሓን ብምፍላጥ ተወሳኺ ሓገዝ ይረኽቡ ከምዘለው ሓቢሮም ።

ምስዚ ብዝተሓሓዝ ኮሚሽን ሰብኣዊ መሰላት ኢትዮጵያ ኣብ መንጎ ክልላት ዓፋርን ሶማሌን ብዘጋጠመ ምስሕሓብ ኣብ ነበርቲ ይወርድ ዘሎ ምጥፋእ ህይወት፣ ዕንወት ንብረትን ምምዝባልን ከምዘተሓሳሰቦ ገሊፁ።

ክልላዊ መንግስቲ ሶማሌ ብወገኑ ኣብዚ ሕጂ እዋን ሰለስተ ሽሕ መራሕቲ ስድራ ካብ ገርበኢሴ ወይ ገዳማይቱ ምዝንባሎም ብምግላፅ ፌደራል መንግስቲ ንተመዛበልቲ ሓገዝ ክገብር ፀዊዑ ።

XS
SM
MD
LG