ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ኢትዮጵያ:ኣብ ክልል ቤንሻንጉል ልዕሊ 100 ሰባት ብዕጡቓት ምቕታሎም ነበርቲ ገሊጾም


ኣብ ኢትዮጵያ ክልል ቤንሻንጉል ጉምዝ ዞባ መተከል ወረዳ ዞን ቡለን ጣቢያ በኩጂ ልዕሊ 100 ሰላማዊያን ሰባት ብዕጡቓት ከምዝተቐትሉ ነበርቲ ገሊፆም።

እቲ መጥቓዕቲ ተፈፂሙ ዘሎ ቀዳማይ ሚኒስትር ኣብይ ኣሕመድ ትማሊ ኣብ ዞባ መተከል ተረኺቦም ምስ ነበርቲ ድሕሪ ምዝርራቦም እዩ።

ክልላዊ መንግስቲ ቤንሻንጉል ጉምዝ ኣብ ልዕሊ ስቪላት መጥቓዕቲ ምፍፃሙ ኣረጋጊፁ ኣሎ።

እቲ መጥቓዕቲ ሰብ ብድቅሱ ኣጋ ወጋሕታ ከምዝጀመረ ካብቲ መጥቓዕቲ ሃዲሙ ዘምለጠ ሽሙ ክግለፀሉ ዘይደለ ነባሪ ተዛሪቡ።

እዚነባሪ ነቲ መጥቓዕቲ ዝፈፀሙዎ ናይቲ ክልል ፍሉይ ፖሊስ ዝተኸደኑ ዕጡቓት እዮም ኢሉ ኣሎ ። ፅፁይ በዝሒ ግዳያት ምስተፃረየ ከምዝፍለጥ እውን ተገሊፁ ኣሎ።

ምሉእ ትሕዝቶ ኣብዚ ምስማዕ ይክኣል ።


XS
SM
MD
LG