ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ኢትዮጵያ፡ኣብ ከተማ ቴፒ ምክንያት ሞት ሸሞንተ ሰባት ዝኾነ ጸገም ጸጥታ ምፍጣሩ ነበርቲ ገሊጾም


ኣብ ኢትዮጵያ ክልል ደቡብ ዞባ ሼካ ከተማ ቴፒ ብቕድሚ ትማሊ ምኽንያት ሞት ሸሞንተ ሰባት ዝኾነ ፀገም ፀጥታ ንምፍታሕ፣ሰላም ንምስፋንን ነቲ ህዝቢ ንምርግጋእን ኣብታ ከተማ ምንቅስቓስ ከምዘየለ ሽሞም ክግለፀሎም ዘይደለዩ ነበርቲ ሓቢሮም።

መንግስቲ ይኹን ካልእ ሳልሳይ ወገን ነቲ ፀገም ንምፍታሕ ዘካየድዎ ፃዕሪ ኣይተዓወተን፤ተቐቲሎም ዝተባህሉ ሰባት ብዝምልከት ካብ ኣካላት መንግስቲ ክልልን ዞባን ዝተወሃበ መግለፂ ይኹን መብርሂ የለን ኢሎም።

ንዓመታት ዝፀንሐ ቅልውላው ከተማ ቴፒ ብመንግስቲ ጠመተ ተነፊጉዎ’ሎ ክብሉ እቶም ነበርቲ ወሲኾም ኣማሪሮም ክብል ወኪል ድምጺ ኣሜሪካ ሓቢሩ’ሎ።

XS
SM
MD
LG