አዲስ አበባ —
ኢትዮጵያ ንማይ ኣባይ ክትጥቀም ከላ ንድልየት ግብፂ ኮነ ሱዳን ከም እትርዳእን ብፂሒተን እውን ከም እተኽብረለንን ቀዳማይ ሚንስትር ኢትዮጵያ ኣብይ ኣሕመድ ተዛሪቦም።
ቀዳማይ ሚንስትር አብይ ንፈለማ ግዜ ኣብ ግብፂ ዑደት ገይሮም ኣለው።ካብ ኣብያተ ማእሰርቲ ግብፂ ዘፍትሑዎም 32 ኢትዮጵያዊያን ምስኦም ሒዞም ሎሚ ኣዲስ ኣበባ ከምዝኣተው ካብ አዲስ አበባ ዝረኸብናዮ ሓበሬታ ይገልጽ።
ቀዳማይ ሚንስትር አብይ አሕመድ ኣብዚ ናይ ግብጺ ዑደቶም ምስ ፕረዚደንት ግብጺ ዓብደልፈታሕ አልሲሲ ብሓባር ኣብ ዝሃብዎ መግለጺ ንማይ ዓባይ ክንጥቀም ከለና ንዓኻትኩም ናይ ምጉዳእ ድልየት የብልናን ክብሉ መረጋገጺ ሂቦም አለው።
ብዝተኣሳሰረ ዜና ቀዳማይ ሚንስትር ኣብይ ኣሕመድ ናብ ግብፂ ቅድሚ ምጋሾም ኣብ ኡጋንዳ ዑደት ኣብ ዝፈፀምሉ መዳለያ ተሸሊሞም ኣለው።ፕረዝዳንት ኡጋንዳ ዩዌሪ ሙሶቮኒ ነቶም ቀዳማይ ሚንስትር ነዚ መዳሊያ ዝሃቡዎም ኣብ ኢትዮጵያ ሰላምን ምርግጋእን ንምዕሳል ዝስዓብዎ ኣተዓራቒ ኣመራርሓን ንኤርትራ ብዘቕረብዎ መፀዋዕታ ሰላምን እዩ።