ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ኢትዮጵያ: ኣብ ጎደናታት ኣብ ስራሕ ልመና ዝተዋፈሩ ሶርያዊያን አጊዳ


ኢትዮጵያ ቁጽሮም እንዳወሰኸ ዝመጽእ ዘሎ ኣብ ስራሕ ልመና ዝተዋፈሩ ሶርያዊያን አጊዳ።

ምክትል ሓላፊ ክፍሊ ኢምግሬሽን ኣቶ የማነ ገብረመስቀል ንኣሶሴይትድ ፕረስ ከምዝሓበርዎ “ኣብዚ ሕጂ እዋን ሓይልታት ጸጥታ ሶርያዊያን ኣብ ጎደናታት ካብ ምልማን ንምእጋድ ይሰርሑ ኣሎ: ንሓጺር ጊዜ ተዓጊስና ኢና ሕጂ ግን ነዚ ዘይሕጋዊ መስርሕ ደው ከነብል ኢና” ኢሎም።

ካብ ወርሒ ነሓሰ ክሳብ ታሕሳስ ናብ ኢትዮጵያ ካብ ዝኣተው 560 ሶርያዊያን መብዛሕትኦም ቪዛኦም መዓልቱ ምስአኸለ ካብ ሃገር ይወጹ’ዮም።ኣብ ጎደናታት ምልማን ገበን እንተዘይኾነ ብቪዛ በጻሒ ናብ ሃገር እንዳኣተው ኣብ ጎደናታት ምልማን ግን ዘይሕጋዊ እዩ ኢሎም።

ኣስታት 120 ሶርያዊያን ስደተኛታት ኣብ ኢትዮጵያ ጽግዕተኛነት ምሕታቶም ይፍለጥ።

ትካል ስደተኛታት ሕቡራት ሃገራት’ውን ኢትዮጵያ ነቶም ሶርያዊያን ስደተኛታት ንምቅባል ኣብ ተካይዶ ጻዕርታት ከምዝተሓባበር ምግላጹ ይዝከር።

ኢትዮጵያ ኣብዚ ሕጂ እዋን ካብ ጎረቤት ሶማል: ደቡብ ሱዳን: ሱዳንን ኤርትራን ዝመጹ 900,000 ስደተኛታትን ሓተቲ ዑቕባን ኣዕቑባ ትርከብ። ብተወሳኺ ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ ስደተኛታትን ክሰርሑን ክመሃሩን ዘክእል ሕጊ ምጽዳቃ ይፍለጥ።

XS
SM
MD
LG