ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ኢትዮጵያ: ኣብ ናይ መግቢ ምሕሳም አድማ ንዘለው እሱራት ዝቐረበ ምሕጽንታ ከምዘይተዓወተ ተገሊጹ


ኣብ ቤት ማእሰርቲ ኢትዮጵያ ንመበል 15 መዓልታት ኣብ ናይ ጥምየት ኣድማ ዝቐፀሉ በዓል ኣቶ ጀዋር መሓመድ መግቢ ክበልዑ ውሩይ ፖለቲከኛ ሌንጮ ለታ ሓዊሱ ከእምንዎም ናብ መአረሚ ማእከል ቃልቲ ከይዶም ዝነበሩ ሽማግለታትን መራሕቲ ሃይማኖትን ፃዕሮም ከምዘይትዓወተ ገሊፆም።

እቲ ናይ ጥምየት ኣድማ እንተድኣ ቀፂሉ ክወርድ ዝኽእል ሓደጋ ንምንካይ እቲ ጉዳይ ንዝምልከቶም ኣካላት መንግስቲ ንምዝርራብ ከምዝተሓሰበ ተሓቢሩ ኣሎ።

ኣብቲ ናይ ጥምየት ኣድማ ካብ መንጎ ዝተሳተፉ ሓሚሞም ናብ ሆስፒታል ዝኣተው ከምዘለው'ውን ተፈሊጡ ኣሎ።

XS
SM
MD
LG