ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ኢትዮጵያ: ኣብ ሰሜናዊ ክልል ሶማልያ ብዘጋጠመ መጥቓዕቲ 21 ሰባት ምቕታሎም ተሓቢሩ


ኣብ ሰሜናዊ ክልል ሶማልያ ወረዳ ኣፍደም ዝርከቡ ክልተ ዝተፈላለዩ ቦታታት ብዝተፈፀመ መጥቓዕቲ 21 ሰባት ምቕታሎምን ካልኦት 28 ሰባት ምቑሳሎምን ናይቲ ወረዳ ነባሪ ንድምጺ ኣሜሪካ ገሊፆም።

ኣብቲ ጉዳይ ትማሊ መግለፂ ዘውፅአ ክልላዊ መንግስቲ ሶማልያ እቲ ተግባር ናይ ዓፋር ፍሉይ ሓይልን ዓመፅቲ ከምዝፈፀሙዎ ብምሕባር ናይቲ ክልል ነበርቲ ዝኾኑ ንፁሃን ሰባት ህይወቶም ንምድሓን ዝኾነ ይኹን ኣድላይ ስጉምቲ ምውሳድ ክግደድ እየ ክብል ኣጠንቂቑ።

ሎሚ ሶኑይ ምላሽ መግለፂ ዘውፅአ ናይ ዓፋር ክልል መንግስቲ ብወገኑ እቲ መጥቓዕቲ ዝተፈፀመ ኣብ ክልል ዓፋር ወረዳ ገዋኔ እዩ ይብል።

ብክልቲኡ ወገናት ህይወት ሰባት ምጥፍኡ ብምግላፅ ክልል ንዘውጽኦ መግለጺ ኩነታት ዘጋድ ድ ዩ ክብል ኮኒንዎ።

XS
SM
MD
LG