ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ኢትዮጵያ: ኣብ ምዕራብ ወለጋ ብዘጋጠመ መጥቓዕቲ 32 ሰባት ምሟቶም ኮሚሽነር ፖሊስ ክልል ኦሮምያ ኣፍሊጡ


ምዕራብ ወለጋ ዞን ጉሊሶ ወረዳ
ምዕራብ ወለጋ ዞን ጉሊሶ ወረዳ

ኣብ ምዕራብ ወለጋ ዘጋጠመ መጥቓዕቲ ሰራዊት ምክልኻል ነቲ ቦታ ለቂቑ ኣብ ዝወጻሉን ሓይልታት'ቲ ክልል ናብቲ ቦታ ኣብ ዝኣትውሉ ዝነበረ ህሞት ብዝተፈጥረ ክፍተት ምዃኑ ፖሊስ ኮሚሽነት'ቲ ክልል ኣፍሊጡ

ፖሊስ ኮሚሽነር ክልል ኦሮምያ ኮሚሽነር አረርሳ መርዳሳ በቲ መጥቓዕቲ 23 ደቂ ተባዕትዮ 9 ደቂ ኣንስትዮ ብጠቕላላ 32 ሰባት ምሟቶም ሓቢሮም።

ኣብ ኢትዮጵያ ምዕራብ ወለጋ፥ ኣብ ወረዳ ጉሊሶ፥ ዕጡቓት ኦነግ ሸኔ 'ዮም ዝተባህሉ ብዝፈጸምዎ መንነት መሰረት ዝገበረ መጥቃዕቲ፥ ቁጽሮም ብዕሊ ዘይተፈልጠ ንጹሃን ዜጋታት ከም ዝተቐተሉ ካብቲ መጥቃዕቲ ዝሃደሙ መሰኻኽር ተዛሪቦም።

ቀዳማይ ሚንስተር ኣቢይ ኣሕመድ በቲ ዝወረደ ሞት ሓዘኑ ድሕሪ ምግላጽ፥ መንግስቲ ንኹሉ ዓይነት ኣማራጽታት ተጠቒሙ፥ ነቲ ጸገም ኮይኑ ዘሎ ክምሕዎ'ዩ ኢሉ። ዶ/ር ኣቢይ ኣተሓሒዙ፥ኣካላት ጸጥታ ኣብቲ እቲ መጥቃዕቲ ዝተፈጸመሉ ከባቢ ተዋፊሮም ስጉምቲ ኣብ ምውሳድ ከምዝርከቡ ኣፍሊጡ'ሎ።

ኣማሓዳሪ ክልል ኦሮሚያ ኣቶ ሽመልስ ኣብዲሳ ብወገኑ፥ ብናይ ኦነግ ሸኔን ወያኔን ናይ ጥፍኣትን ሽበራን ተንኮል፡ ኢትዮጵያ ኣይክትፈርስን'ያ ኢሉ።

ብኻልእ ወገን፥ "ኩናት ንምትራፍ ክንብል ሓይልና ብምጥንኻር ተሰናዲእና" ክብል ኣማሓዳሪ ክልል ትግራይ ዶ/ር ደብረፅዮን ገብረሚካኤል ተዛሪቡ::

ዶ/ር ደብረጽየን ንማዕኸናት ዜና'ቲ ኽልል ኣብ ዝሃቦ መግለጺ፥ "ስልጣን መንግስቲ ፌደራል ዝሓዘ ሓይሊ ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ትግራይ ይፍፅሞ ካብ ዝነበረ ሽርሒ ናብ ናይ ሓይሊ ስጉምቲ ይሰጋገር ስለዘሎ ፤ህዝቢ እቲ ክልል ምድላዋቱ ከጠናኽር ይግባእ" ኢሉ።

XS
SM
MD
LG