ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ኢትዮጵያ ኣብ መጻረይ ግጥም ዋንጫ ኣፍሪቃ 2ብ0 ተዓዊታ


ሃገራዊት ጋንታ ኩዕሶ እግሪ ኢትዮጵያ ምስ ሃገራዊት ጋንታ ግብጺ ንመጻረይ ግጥም ዋንጫ ኣፍሪቃ ኣብ ዘካየደቶ ግጥም 2ብ0 ተዓዊታ።

ፈላማይ ግጥም ምስ ማላዊ ኣብ ሊሎንጉዌ ዘካየደት ሃገራዊት ጋንታ ኢትዮጵያ 2ብ1 እተተሰዓረት ኣብ ማላዊ ምስ ግብጺ ኣብ ዘካየደቶ ካልኣይ ግጥም ግን ክልተ ሸቶታት ብዳዋ ሆጤሳን ሽመልስ በቀለን ብምምዝጋብ ተዓዊታ'ላ።

እተን ዝተመዝገባ ሸቶታት ቕድሚ ዕረፍቲ ዝተምዝገባ ክኾና ከለዋ ግብጺ ድሕሪ ዕረፍቲ ጸወታ እተዓብለለት'ውን ሸቶ ምምዝጋብ ብዘይምኽኣላ እቲ ጸወታ ብዓወት ሃገራዊት ጋንታ ኢትዮጵያ ተዛዚሙ'ሎ።

ኣብ መጻረይ ዋንጫ ኣፍሪቃ ኣብ ምድብ ኣርባዕታ ምስ ግብጺ:ማላዊን ጊኒን ዝተመደበት ኢትዮጵያ ነቲ ግጥማት ዘማልእ ስታድየም ብዘምህላው'ዩ ነቲ ናይ ሎሚ ምስ ግብጺ ዘካየደቶ ግጥማ ካብ ሃገራ ወጻኢ ከተካይድ ዝተደደደት።

XS
SM
MD
LG