ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ኢትዮጵያ ኣብ መንጎ ኤርትራን ጅቡቲን ዘሎ ውጥረት ንምፍታሕ መንጎኛ ክትከውን ዘለዋ ድልየት ገሊጻ


ኢትዮጵያ ኣብ መንጎ ኤርትራን ጅቡትን ዘሎ ኣፈላላይ ንምፍታሕ ክትሽምግል ከም እትደሊ ሚንስተር ጉዳያት ወፃኢ ኢትዮጵያ ኣፍሊጡ።

ኢትዮጵያ ወደብ ዓሰብ ምጥቃም እንተጀመረት’ዃ ወደብ ጅቡቲ ቀንዲ ኣማራፂኣ ኮይኑ ከምዝቕፅል እቲ ሚንስተር ወሲኹ አረዲኡ’ሎ።

“ብወገን ኢትዮጵያ ፀገም ኤርትራን ጅቡትን ንክፍታሕ እቲ ናይ ሰላም ትሩፋት ንዕኣቶም እውን ንኽበፅሖም ብወገን መራሕትና ፅኑዕ ድልየት ኣለና።ኣብ መንጎ ክልቲአን ሃገራት ናይ ሽምግልና ግደ ንክህሉ ድልየት ኣሎ።”

ኢትዮጵያ ኣዝያ ዓባይ ሃገር እያ።ገፊሕ መልክዓ ምድሪ ኣለዋ።ወደብ ዓሰብ ዝቐርቦም ቦታታት ኣለው።ወደብ ጅቡቲ ዝቐርቦም ቦታታት እውን ኣለው።እዚ ክስተኻኸል ኣለዎ።ካልኣይ ኣብታ ሃገር ዘሎ ኣዚዩ ዓብይ ግስጋሰ ኢኮኖሚን ዕብየትን ተወሳኺ ወደብ ኣማርፂ የድልዮ እዩ።

ምሉእ ትሕዝቶ ኣብዚ ምስማዕ ይክኣል።

XS
SM
MD
LG