ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ኢትዮጵያ ኣብ ልዕሊ ኤርትራ ዝተበየነ እገዳ ክልዓል ጸዊዓ


ሚኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ኢትዮጵያ ዶክተር ወርቅነህ ገበየሁ ሎሚ ሓሙስ መስከረም 28 ኣብ መበል 73 ሓፈሻዊ ኣኼባ ውድብ ሕቡራት ሃገራት ተረኺቡ ኣብ ዘስምዖ መደረ ባይቶ ጸጥታ ውድብ ሕቡራት ሃገራት ኣብ ልዕሊ ኤርትራ ንዝበየኖ እገዳ ከይደንጎየ ከልዕሎ ግቡእ ምዃኑ ኣገንዚቡ።

ሚኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ኢትዮጵያ ዶክተር ወርቅነህ ኣብ መደረኡ ኣብ ኢትዮጵያ ብፍላይ ኣብ ቀርኒ ኣፍሪቃ ድማ ብሓፈሻ ሓድሽ ናይ ሰላም ለውጢ ተጀሚሩ ምህላው ብምጥቃስ ብፍላይ ምስ ኤርትራ ብዝተተሓዘ ብዘይካ ምስ ኢትዮጵያ ምስ ሶማልን ጅቡትን እውን ሰላማዊ ጽምዶ ተጀሚሩን ካብ ሕብረት ኣፍሪቃን ዞባውያን ሃገራትን ሰፊሕ ደገፍ ምርካቡን ሓቢሩ።

ሚኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ኢትዮጵያ ዶክተር ወርቅነህ ገበየሁ
ሚኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ኢትዮጵያ ዶክተር ወርቅነህ ገበየሁ

ምስዚ ብዝተሓሓዝ ዶ/ር ወርቅነህ ገበየሁ ቅድሚ ሽዱሽተ ኣዋርሕ ዝተጀመረ ለውጢ ኣብ ውሽጢ ሃገርን ኣብ ጎረባብቲ ሃገራት ተስፋ ሒዙ ይመፅእ ኣሎ ኢሎም።ናይ ጅቡቲ ሚንስተር ጉዳያት ወፃኢ ብወገኖም ኣብ ቀርኒ ኣፍሪካ ኣወንታዊ ምዕባለ ይመፅእ ኣሎ መራሕቲ ኤርትራን ጅቡቲን ዘይተፈትሑ ፀገማት ንምፍታሕ ተሰማሚዖም ኣለው ኢሎም።

ኣብ ኒው ዮርክ ይካየድ ኣብዘሎ መበል 73 ሓፈሻዊ ጉባኤ ሕቡራት መንግስታት መደረ ዘስምዑ ዶ/ር ወርቅነህ ገበየሁ ኢትዮጵያ ኣብቶም ዝሓለፉ ሽዱሽተ ኣዋርሕ ዴሞክራስን ልዕነት ሕግን ንምርግጋፅ እናሰርሐት ትርከብ ኢሎም።

ምስ ሓድሽ ፖለቲካውን ዴሞክራሲያዊን ክውንነት፣ብኩሉ ህዝቢ ተቐባልነት ዝረኸበ ለውጢ ነካይድ ኣለና ዝበሉ ንሶም እዚ ራኢ እዚ ኣብዚ ነካይዶ ዘለና ክትዕን ዘተን ሓፈሻዊ ጉባኤ ኣገዳሲ እዩ ዝብል እምነት ኣለና ኢሎም።

መንግስቶም ዴሞክራሲያዊ ምሕደራ፣ልዕልነት ሕጊ፣ሚዛናዊነት፣ፍትሒ፣ፋይናንሳውን ቁጠባውን ተሓታትነት፣ግሉፅነትን ህዝባዊ ተሳትፎን ንምስፍሕፋሕ ይሰርሕ ከምዘሎ ዘርዚሮም።

“ኣብቶም ዝሓለፉ ሽዱሽተ ኣዋርሕ እዚኣቶምን መልእኽትታት ምሕረት፣ ዕርቂ፣ሓድነትን ምሕዝነትን ህዝብታትና ንምርግጋፅ ኩሉ ዝክኣል ፃዕርታት ገይርና ኢና።”

ብቀዳማይ ሚንስተር ኣብይ ኣሕመድ ዝምራሕ መንግስቶም ኣብ ኩሎም መዳያት ተኸታተልቲ ስጉምታት ብምውሳድ ቅድም ኢሎም ዝነበሩ ማሕለኻታት ልምዓት፣ብልሽውና፣መግሃስቲ ሰብኣዊ መሰላት፣ድልየትን ተስፋን ህዝብና ንምምላስ ክወስድ ዝፀንሑ ስጉምታት ኣብታ ሃገርን ካብኡ ንላዕልን ተቐባልነት ረኺቦም ኣለው ኢሎም።

ፃዕርታትና ኣብ ውሽጢ ኢትዮጵያ ጥራሕ ዝተሓፀረ ኣይኮነን ዝበሉ ንሶም ኣብቲ ዞባ ካሊእ ታሪኻዊ ክስተት እውን ይፍፀም ኣሎ ኢሎም።

“ኣብቶም ዝሓለፉ ሰለስተ ኣዋርሕ ቀዳማይ ሚንስተርና ኣብ ምሉእ ቀርኒ ኣፍሪካ ማዕረ ኣገዳስነት ዘለዎ ጉዳይ ፈፂሞም ኣለው።ኣብ መንጎ ሃገራት ቀርኒ ኣፍሪካ ስሩዕ ርክብ ብምጅማር ኢትዮጵያን ኤርትራን ኣብ ርክባተን ሓቀኛን ሓድሽን ምዕራፍ ተኸፊቱ’ሎ።”

ኤርትራን ሶማሊያን ኣፈላላያተን ብምትዕራቕ ዲፕሎማሲያዊ ርክባተን ዳግም ምጅማረንን ሰለስቲኦም ሚንስተራት ወፃኢ ኢትዮጵያ፣ኤርትራን ሶማሊያን ኣብ ኣስመራ ኣኼባ ብምክያድ ናብ ጅቡቲን ብምጉዓዝ ኣብ መንጎ ኤርትራን ጅቡትን ሓድሽ ናይ ርክብ ምዕራፍ ምኽፋቱ ነቲ ጉባኤ ገሊፆም።

ቀዳማይ ሚንስተር ኣብይ ኣሕመድን ፕሬዝዳንት ኢሳያስ ኣፈወርቅን ንዓሰርተታት ዓመታት ዝፀንሐ ምስሕሓብ ከብቅዕ ኣብ ስዑዲ ዓረብ ዝተፈረመ ስምምዕ ብምጥቓስ ኣብ ልዕሊ ኤርትራ ዝተነብረ ማዕቐብ ክልዓል እዋኑ እዩ ኢሎም።

“እዞም ኣገደስትን ኣወንታዊ ምዕባለታትን ኣብ ግምት ብምእታው ቤት ምኽሪ ፀጥታ ብዘይ ምድንጓይ ኣብ ልዕሊ ኤርትራ ዝተነብረ ማዕቐብ ከልዕሎ ብዕቱብ ክሓስበሉ ግቡእን እዋናውን እዩ።”

ኣብ ደቡብ ሱዳን ዝተርኣዩ ኣወንታዊ ምዕባለታት ብምግላፅ ብሓፈሻ ኣብቲ ከባቢ ዝተፈጥረ ሃዋህው ከምዚ ኢሎም።

“እዚኦም ናይ ብሓቂ ኣብ ምብራቕ ኣፍሪካ ዝተኸሰቱ ዓበይቲ ምዕባለታት እዮም።ዋና ፀሓፊ ጉተረዝ ከምዝበሉዎ ኣብ ምሉእ ቀርኒ ኣፍሪካ ሓያል ናይ ተስፋ ንፋስ ይነፍስ ኣሎ።”

ኢትዮጵያ ኣብ ምዕቃብ ሰላም ተበርክቶ ዘላ ኣስተዋፅኦ ክገልፁ ከለው ዶ/ር ወርቅነህ ኣብ ቅድሚኣ እትስራዕ ዋላ ሓንቲ ሃገር የላን፤ምስ ሓድሽ ብድሆ ምዕቃብ ሰላም ቅሩብነትና ቀፃሊ እዩ ኢሎ።

ኢትዮጵያ ሰላም፣ፀጥታን ምርግጋእ ሃገሮም ከምኡ እውን ዞባውን ኣህጉራውን ኣፍሪካ ፃዕርታትና ክቕፅል እዩ ኢሎም።

ብዝተኣሳሰረ ኣብቲ ጉባኤ መደረ ዘስምዑ ናይ ጅቡቲ ሚንስተር ጉዳያት ወፃኢ ማሕሙድ ዓሊ ዮስፍ ኣብ ዙሪያ ዓለም ናይ ልምዓትን ዕብየትን ኣጀንዳ ንምፍፃም ግጭት፣ህውከት፣ሽበራን ዝተወደበ ገበንን ዕንቅፋ ምዃኖም ብምሕባር ብኣንፃሩ ኣብ ቀርኒ ኣፍሪካ ኣወንታዊን ታሪኻውን ምዕባለ ይርኢ ኣሎ ኢሎም።

ኣብ መንጎ ኢትዮጵያን ኤርትራን ዝተፈጥረ ሓድሽ ርክብ ንኻልኦት ሃገራት እውን ኣወንታዊ ውፅኢት ሒዙ መፂኡ’ሎ፤ከም ውፅኢቱ ናይ ኤርትራን ጅቡቲን ኩነታት ከምዚ ክብሉ ገሊፆም።

“ፕሬዝዳንትታት ጅቡቲን ኤርትራን 17 መስከረም ብመንጎኛነት ንጉስ ስዑዲ ዓረብ ሳልማን ዓብዱል ዓዚዝ ኣል-ሳውድ ኣብ ጅዳ ተራኺቦም ምዝርራቦም ንተሳተፍቲ እዚ ጉባኤ ክገልፅ እፈቱ።ኣብ መንጎ እዘን ኣሓት ሃገራት ሓዱሽ ምዕራፍ ክኸፍቱ ተሰማሚዖም ኣለው።”

“እዚ ኣኼባ ስዒቡ ሳላ ዕቱብ ፃዕሪ ንጉስ ስዑዲ ዓረብን ክቡር ቀዳማይ ምንስቴር ኢትዮጵያ ዶ/ር ኣብይ ኣሕመድን ዝጀመሩዎ ልዝብ ክቕፅልሉን ምስሕሓብ ዶብን እሱራት ኲናትን ሓዊሱ ዘይተፈትሑ ጉዳያት ብሰላም ንምፍታሕ ተሰማሚዖም ኣለው።”

ኣብ መንጎ ተነሓናሕቲ ወገናት ደቡብ ሱዳን ዝተበፅሕ ስምምዕ ሰላም እውን ብሓጎስ ከምዝተቐበሉዎም ሓቢሮም።ህዝቢ ደቡብ ሱዳን ነዊሕ ተሳቕዮም ኣለው ሰላምን ዝሓሸ መፃዕን ይግብኦም እዩ ኢሎም ምንስቴር ወፃኢ ጅቡቲ።

ብመሰረት ዝወፀ ፕሮግራም ናይ ኤርትራ ምንስቴር ወፃኢ ዑስማን ሳሊሕ ፅባሕ ቀዳም መደረ ከስምዑ እዮም።

ምሉእ ትሕዝቶ ኣብዚ ምስማዕ ይክኣል።

ኢትዮጵያ ኣብ ልዕሊ ኤርትራ ዝተበየነ እገዳ ክልዓል ጸዊዓ
please wait

No media source currently available

0:00 0:06:22 0:00

XS
SM
MD
LG