ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ኢትዮጵያ: ኣብ ልዕሊ ናይ ኖርወይ ትካል ስደተኛታት ኣንቢራቶ ዝነበረት እገዳ ኣልዒላ


ኢትዮጵያ: ኣብ ልዕሊ ናይ ኖርወይ ትካል ስደተኛታት ኣንቢራቶ ዝነበረት እገዳ ኣልዒላ።

ናይ ኖርወይ ትካል ስደተኛታት ሰብኣዊ ስራሕቱ ከይዓይ ንሓሙሽተ ኣዋርሕ ተነቢሩዎ ዝነበረ እገዳ ምልዓሉ ብሰበስልጣን ኢትዮጵያ ከምዝተነግሮ ተሓቢሩ።

ብዓልስልጣን ስቪክ ማሕበራት ኣብ መወዳእታ ወርሒ ሓምለ እዩ ነቲ ሰብኣዊ ትካል ምእጋዱ ዝፍለጥ ኮይኑ:ቦርድ ብዓል ስልጣን ስቪል ማሕበራት ኣብ ጥቅምቲ ነቲ እገዳ ብምንዋሕ ተወሳኺ ሕቶታት ሓቲቱ እቲ ሰብኣዊ ትካል ድማ ሽዑ ንሽዑ ምሉእን ቕልጡፍን መልስታትን መብርሂታትን ከምዝሃበ መግለፂ ናይቲ ትካል ይሕብር።

እቲ ቦርድ 31 ታሕሳስ 2021 ነቲ እገዳ ኣልዒሉዎ ኣሎ።

ዋና ፀሓፊ እቲ ትካል ጃን ኤግላንድ ‘’ሓገዝ ንዘድልዮም ብ ኣማ ኢት ኣሽሓት ዝቑጸሩ ሰባት ነቕርቦ ዝነበርና ሰብኣዊ ስራሕ ብግዚያዊነት ተቋሪፁ ዝነበረ ምልዓሉ እፎይታ ረኺብና ኣለና’’ኢሎም።ኣብ ኢትዮጵያ ንዝርከቡ ስደተኛታት፣ብግጭት ንዝተመዛበሉ ሰብኣዊ ስርሕና ንብዙሓት ዓመታት ክቕፅል እዩ ኢሎም።

እቶም ዋና ፀሓፊ ናይቲ ትካል "ኣብ 2021 ኣብ መላእ ኢትዮጵያ ንልዕሊ ፍርቂ ሚሊዮን ሰባት ክንበፅሕ ዘይምኽኣልና ዘሕዝን እዩ፤ሕጂ መሊስና ብምጅማር ማዕረ ቅድሚ እቲ እገዳ ንሕግዞ ዝነበርና ንምብፃሕ ግዜ ክወስድ እዩ፣ሰራሕተኛታትና ስኢና ኢና፣ዓለምለኸ ሰራሕተኛታትና ብቕልጡፍ ክምለሱ ፍቓድ ንደሊ ኢና’’ ኢሎም ።

XS
SM
MD
LG